Fana: At a Speed of Life!

ዝቕባበ ዋጋ ሎሚ ዘበን ናብ 30 ሚኢታዊ ወሪዱ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ መበል ሻድሻይ፣ ካልኣይ ዓመት ዘበን ስራሕ፣ መበል 28  ስሩዕ ኣኼብኡ የሳልጥ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመር (ዶ/ር) ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብርሂን፥ ሓፈሻዊ ዝቕባበ ዋጋ ሎሚ ዘበን 37 ሚኢታዊ ከብ ኢሉ ዝነበረ እኳ እንተኾነ ናብ 30 ሚኢታዊ ክወርድ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ይኹን እንበር ካብዚ ብዝበለፀ ንምውራድ ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

ፍሪያት ንምስሳን ዓሊሙ ሎሚ ዓመት 2 ሚሊየን ሄክታር ተወሳኺ መሬት ከምዝሕረስ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ልዕሊ 15 ሚሊየን ሄክታር መሬት ክሕረስ ኢዩ ኢሎም።

ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ እንትመፅእ 59 ሚኢታዊ ልቓሕ ዝነበረ ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን 38 ሚኢታዊ ክወርድ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።

ኣብ ውሽጢ ብዙሕ ፀገም እኳ እንተኾንና ዝወረስናዮ ልቓሕ እንተኾነ እውን ንኸፍሎ ኣለና ኢና ኢሎም።

ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓማውቲ ናብ 30 ሚኢታዊ ንምቕናስ ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.