Fana: At a Speed of Life!

ዝተመዛበሉ ወገናት መሊስካ ንምጥያሽን ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ንምህናፅን መንግስቲ ምስ ውሕሃ ንምስራሕ ድሉው ኢዩ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ኒውዮርክ ዝገበሩዎ ፃንሒት ስራሕ ጎና ጎኒ ምስ ምክትል ዋና ፀሃፊት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣሚና ጄኔ መሐመድ ተራኺቦም ተዛቲዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብምኽንያ ፀገም ፀፅታ ዝተመዛበሉ ወገናት መሊስካ ንምጥያሽን ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊሰስካ ንምህናፅ መንግስቲ ብልዑል ምትሕብባር ምስ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንምስራሕ ድሉው ከምዝኾኑ ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣብ ኣፈፃፅማ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት፣ ኣብ ኣወሃህባ ሓገዝ ሰብኣዊ ኣገልግሎታትን እዋናዊ ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ኣመልኪቶም ብዝርዝር ተዛቲዮም።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ክሳብ ሕዚ ኣብ ልምዓትን ኣገልግሎት ሰብኣዊ ሓገዝን ንኢትዮጵያ ዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ ዘመስገኑ ኣይተ ደመቀ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝሐሸ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ከምዘድሊ እውን ኣገንዚቦም።

ፍልፍል፦ ቤት ፅሕፈት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.