Fana: At a Speed of Life!

ዝተሰረዘ ተረባሕነት ዕድል ኣጎዋ ኢትዮጵያ ብሓዱሽ ኩነታት ዝረኣየሉ ዕድል ኣሎ -ኣምባሳደር ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ተስፋየ ይልማ ምስ ኣፈፃሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።

ሉኣላውነት ሃገርን ሓድነት ግዝኣት ንምሕላው ቀንዲ ተግባር መንግስቲ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ክልላት እናረኣዮ ዝርከብ ተግባራት ትንኮያ ኣብ               ፃዕሪ ሰላም ኣሉታዊ ፅልዋ እናፈጠረ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ህወሓት በብግዚኡ እናርኣዮ ዘሎ ቀጥተኛ ዘይኾነ ድሌትን ተለዋዋጢ ባህሪ ነቲ ፃዕሪ እናተኣጓጎሎ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ተስፋዬ ኣረዲኦም።

ኣፈፃሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን ብወገን መንግስቲ እናተወሰዱ ዝርከቡ ስጉምትታት ከምዘሐጎሰን ብምግላፅ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ክልተኣዊን ስትራቴጂካዊን ርክብ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፀን።

ሚኒስትር ዴኤታ አምባሳደር ተስፋዩ ይልማ ንዕብየት ኣፍሪካ ናፃ ዕድል ንግዲ ዝህብ ተጠቃምነት (ኣጎዋ) ኢትዮጵያ ምስራዛ ኣብ ዘፈር ኢንዱስትሪ ጨርቃ መርቂን ክዳውንቲን ስግኣት ከምዝፈጠረ ኣልዒሎም።

ነዚ ስዒቡ ድማ ሐዚ ዘሎ ሰናይ ስጉምትታትን ለውጥታትን መሰረት ብምግባር ብወገን መንግስቲ ኣሜሪካ ተስፋ ከምዘሎን ነቲ ተቋሪፁ ዝነበረ ዕድል ከም ብሓዱሽ ዝረኣየሉ ዕድል ከምዘሎ  እተን ኣምባሳደር ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.