Fana: At a Speed of Life!

ዝተኸፈተና ኩለመዳይ ኲናት ኩሉ ዜጋ ብህብረ ብሄራዊ ሓድነት ክምክት ይግባእ – ዶ/ር ለገሰ ቱሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ናይ ውሽጢ ባንዳታትን ታሪኻዊ ፀላእትናን ተዋዲዶም ዝኸፈቱልና ኩለመዳይ ኲናት ኩሉ ዜጋ ብህብረ ብሄራዊ ሓድነት ክምክት ይግባእ” ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ እቶም ባንዳታት ብኣቐበልቲ ቃሎም ብሓደ ወገን “እቲ ኲናት ንዓኻ ኣይምልከተካን” እናበሉ ይግዘቱ፣ ብኻሊእ መዳይ ድማ ሒሳብ ክነወራርድ ኢና፣ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ክሳብ ሲኦል ክንኣቱ ኢና ከምዝብሉ ሓቢሮም።

“ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ባእሲ የብልናን እናበሉ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣምሓራ ይደፍሩ፣ ንብረቱ ይዘርፉ፣ ኣብ ኣደባባይ የዋርዱ፣ መሰረተ ልምዓታት የዕንዉ” ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ህዝቢ ዓፋር እናተቓለሰ፣ ንብተቱ እናዓነዎ፣ ንባዕሉ እናጠመየ ይኹን እምበር ንተጋሩ ኣሕዋቱ ሰብኣዊ ሓገዝ እንተይተኣጓጎለ ንኽቐርብ እናገበረ ካብ መረበቱ ንኽመዛበል፣ ጨፍጫፍ ንኽበፅሖ ከምዝገብሩ ኣብሪሆም።

ኦሮሞ፣ ሶማሌ፣ ጉሙዝ ወዘተ ፈተውቲናን መሓዙትናን ኢዮም እናበሉ ምስ ቁፃራት ራዕዳውያንን ታሪኻዊ ፀላእቲናን ተዋዲዶም ሕድሕዶም ንኽዋድኡ፣ መሰረተ ልምዓታቶም ንኸዓንዉ፣ ሃፍቲን ንብረቶምን ንኅዝረፍ እናገበሩ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡

“እዚ እኩይ ተግባር ናይ ቅድስና ተግባር ድዩ ክብሉ ዝሓተቱ እቶም ሚኒስትር፥ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም መሳርሒ ተጠቒሞም ብድሑር ሜላ ውግእ ህፃናት ትግራይ፣ ሽማግለታትን ደቂ ኣንስትዮን ትግራይ ናብ ኲናት እናዳጎኑ ንመንእሰይ ኢትዮጵያ ናብ ኲናት ኣይትእቶ ኢሎም ርህሩህ ከብዶም ንትግራይ እንንትኸውን ንምንታይ ፀኒዑ?” ኢሎም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዘምፀኦ ዋላ ሓደ ተስፋ ከምዘየለ እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም።

ብሽም ህዝቢ ትግራይ ተለሚኑ ዝመፅአ ሓገዝ ስርናይን ነዳዲን ብምስራቕ ናብ ኲናት ምጥቃም ዝነበረሉ ዘነውር ምስሊ እቲ ጉጅለ ከምዝኾነ ብምፍላጥ መንእሰይ ትግራይ ነቲ ጉጅለ ብምኹናን ሞትን ስደትን ጠጠው ንኽብል ሓበራዊ ድምፁ ከስምዕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

“ህዝበይ ንቓሕ” ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ሃገር ኣብ ኲናት እናሃለወት ዘይሻራዊ ኢየ ኢልካ ኮፍ ምባል ካብ ሓደ ፈታዊ ሃገሩ ሰብ ትጽቢት ከምዘይግበር ኣመልኪቶም፡፡

ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብዝኽእሎ ዓቕሚ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተኸፈተ ኩለመዳይ ኲናት ክምክት ከምዝግባእ ብምግላፅ፥ ብግምባር፤ ብደጀንነት፣ ብውግእ ሳይቨርን ካልኦት መገዲታትን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተኸፈተ ኲናት ንምምካት ብሓባር ጠጠው ምባል ጉዳይ ህልውና ከምዝኾነ ኣፍሊጦም፡፡

ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዘን ኩነታትን ንሰራዊት ምክልኻል ዘለና ክብሪ ብዘይምስሳዕ ክነርኢ ይግባእ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊክቡር ዝኾነ ህይወቱ ንዝህበና ጅግና ሰራዊትና ደጀንነትና ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክነርእዮ ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.