Fana: At a Speed of Life!

ዝተፈላለያ ሃገራት ሓዱሽ ዓመተን ተቐቢለን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቆፃፅራ ዘበን ጎርጎሮሳውያን ዝጥቀማ ሃገራት ሓዱሽ ዓመት 2024 ተቐቢለን።

እተን ሃራት ኣብ ርእሰ ከታማታተብ ብዝተፈላለዩ ምርኢታትን ድሙቕ ስነ-ስርዓታትን ኢየን ሓዱሽ ዓመተን ተቐበሊን።

ኣውስትራሊያን ኒውዝላንድን ሓዱሽ ዓመት 2024 ኣቐዲመን ዝተቐበላ ሃገራት ከምዝኾና ሬውተርስ ፀብፂቡ።

ሩሲያ፣ ህንዲ፣ ጃፓን፣ እንግሊዝ ፣ደቡብ ኮሪያ፣ ጀርመን፣ ፈረንሳይን ካልኦት ሃገራትን ኣቆፃፅራ ጎርጎሮሳውያኑ 2024 ሓዱሽ ዓመት ተቐቢለን ኣለዋ።

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት እተን ሃገራት ድማ እቲ ሓዱሽ ዓመት ንምቕባል ኣብ ኣደባባያትን በረኽቲ ህንፃታትን ዝተሰናድኡ ምርኢት ርችታት ተኣንጊዶም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.