Fana: At a Speed of Life!

ዝተፈላለያ ሃገራት ሰምምዕነት ፕሪቶሪያ ኢትዮጵያ ሰላማ ተረጋጊፁ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘለዋ ሓላፍነት ክትዋፃእ ዘኽእላ ከምዝኾነ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራት ኣፍሪካ ፣ እስያን ኣውሮፓን ሰምምዕነት ፕሪቶሪያ ኢትዮጵያ ሰላማ ተረጋጊፁ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘለዋ ሓላፍነት ክትዋፃእ ዘኽእላ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ፣ ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ጉደያት ጠሚቶም ንጋዜጠኛታት መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ሃገራት ኣፍሪካ ፣ እስያን ኣውሮፓን ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ጎንፂ ብዘላቕነት ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕነት፤ ኢትዮጵያ ሰላማ ተረጋጊፁ ኣብ መድረኽ ዓለም ዘለዋ ሓላፍነት ክትዋፃእ ዘኽእላ ከምዝኾነ ከምዝገለፃ ሓቢሮም።

እዚ ድማ ኣምባሳደራት ሸውዓተ ሃገራት ንፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ደብዳበ ሽመት እንተቕርቡ፤ ሚኒትራት ጉዳያት ወፃኢ ቻይና፣ ጀርመንን ፈረንሳይን ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሩዎ ዑደት ዝገለፁዎ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ንፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ደብዳበ ሽመት ዘቕረቡ ኣምባሳደራት ሸውዓተ ሃገራት÷ እቲ ስምምዕነት ሰላም ንኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ዘምፅእን እታ ሃገር ኣብ መድረኽ ዓለም ዘለዋ ሓላፍነት ክትዋፃእ ከምዘኽእላን ምግላፆም ካብ ሚኒቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ሚኒትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ቺን ጋንግ፤ ኣብ ፅባሕ ናብ መዝነት ዝወፅሉ ፈላማይ ናይ ወፃኢ ሃገር ዑደቶም ብኢትዮጵያ ምጅማሮም ቻይና ንኢትዮጵያ ትህቦ ፍሉይ ጠመተ ዘርኢ ከምዝኾነ ኣምባሳደር መለስ ኣብሪሆም።

ብተመሳሳሊ ዑደት ሚኒትራት ጉዳያት ወፃኢ ጀርመንን ፈረንሳይን ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ፈተና ኣብ ዝሓለፈቶም ዓመታት ሓዊሱ ክልቲአን ሃገራት እናገበረኦ ዝነበራ ሓገዝ ልምዓት እንተየቋረፃ ምቕፃለን ዘመላኽት ከምዝኾነ ገሊፆም።

“እቶም ሚኒስትራት ኣብ ተፈፃምነት እቲ ውዕሊ ሰላም ዝገብሩዎ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም ኢዮም” እውን ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.