Fana: At a Speed of Life!

ዝፈረሰ ኣእምሮ ሃገር ኣይሃንፅን-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ዝፈረሰ ኣእምሮ ሃገር ኣይሃንፅን-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ  ዝህቡዎ መልሲ ዘዳምፅ 6ይ ቤት ምኽሪ 1ይ ዘበን ስራሕ መበል 13 ስሩዕ ኣኼቡኡ የሳልጥ ኣሎ።

እቶም ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም ነቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብዝተፈላለዩ ሕቶታት እናቕረቡ ይርከቡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ካብ ኣባላት ፓርላማ ንዝተለዓሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፥ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓማውቲ ዘጋጠመ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት ክንሰርሖ ንዝሓሰብናዮ ትልሚ ብዝተትሓዘሉ ልክዕ ንከይኸይድ ገይሩዎ ኢዩ እወን ኢለም።

ብተወሳኺ ዝፈረሰ ኣእምሮ ሃገር ኣይሃንፅን ብምባል፥ ሃገር ንክህነፅ መሰረቱ ሓሳብ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ሓሳብ፣ ግዜ፣ ቦታን ሞራልን ሰለስቲኦም ዝተኣሳሰሩን ዝመጋገቡን ብምዃኖም ነዚ እነኽብርን ብኣግባቡ ተረዲእና ብተግባር ህዝቢ ዝረብሕ ስራሕ ምስራሕ እንኽእልን ክንከውን ኣለና ኢሎም።

ምሕጋዝ ዝኽእል ሃገር ለማኒ ገይርናዮ ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ፀገማት ካብ ምትንታን ወፂእና ኣብ ከባቢና ዘለዉ ፀጋታት ምርኣይን ናብ ረብሓና ምቕያርን ይግባእ ክብሉ ኣብሪሆም።

ስራሕ ወሳኒ ኢዩ፤ መሬት ድማ ንዝሰርሕ ሰብ ክብሪ ኢያ።

ብዝተውሃቦ ግዘ ዘይጥቀም ኣካል ትርፉ ፀፀት ምዃኑ ብምግላፅ፥ ኩሉ ሰብ ኣጠቓቕማ ጊዘ ክግንዘብ ይግባእ ኢሎም።

ነዚ ድማ እቲ ሓደ ነቲ ካሊእ እናተጠቛቖመ ካብ ምውዓል ወፂኡ ንገዛእ ርእሱ ብምርኣይ ኣብ ዝተወፈረሉ ዓውደ ስራሕ ጊዝኡ ብኣግባቡ ንክጥቀም ምዒዶም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.