Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ዘሰልጠኖም ልዕሊ 1 ሺሕን 600 መኮነናት ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለየ መርሃ ግብሪታት ዘስልጠኖም 1ሽሕ 631 መኮነናት ፖሊስ ኣመሪቑ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምርቓ ዝተረኽባ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ሓዊሱ ዕድመ ዝተግብረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም፡፡

እቶም ተመረቕቲ ብካልኣይ ዲግሪ፣ ቐዳማይ ዲግሪ  ከምእዉን ብድፕሎማን ሰርቲፊኬትን ስልጠነኦም ዝተኸታተሉ ኢዮም።

እቶም ስልጠንቲ ኣብ  ሳይንስ ፖሊስ፣ ስነ- ገበንን ፍትሒ ገበንን፣  ምርመራ ገበን ከምእዉን ኣብ ዓዉዲ ትምህርቲታት መኮነናት ፖሊስ ዝተኸታትሉ እዮም፡፡

ብተወሳኺ ካብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ ጎኒንጎኒ ንላዕለዎት ኣመራርሓታት ዕብየት ማዓርግ ከምዝዉሃብ ተገሊፁ፡፡

ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ካብ ዝጣየሽ 75 ዓመታት ዘቑፀረ እንትኾን፥ ኣብ ቀረባ እዋን እዉን ካብ ኮሌጅነት ናብ ዩኒቨርሲቲ ከምዝዓበየ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.