Fana: At a Speed of Life!

ዩንቨርስቲ መቐለ ብሕክምና ከሰልጥኖም ዝፀንሐ 397 ሰብ ሞያ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሌጅ ጥዕና ሳይነስ ዩንቨርስቲ መቐለ ብሕክምናን ጥዕና ሳይንስን ከሰልጥኖም ዝፀንሐ 392 ሰብ ሞያ ሕክምና ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

እቶም ሰልጠንቲ ብሞያታት ሜዲሲን፣ ሕክምና ስኒ፣ ነርሲንግ፣ ባዮ ሜዲካል፣ ሚድዋይፍሪ፣ ፓብሊክ ሄልዝ ሓዊሱ ብሳልሳይ ድግሪን(Ph.D.) ካልኦት ብርኪታትን እዮም ተመሪቖም።

ኣብቲ ስነስርዓት ምረቓት ብመዓርግ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ሓላፊ ቢሮ ልምዓት፣ ንግዲን ኢንዳስትሪን ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብረሃም ተኸስተ፣ ፕሬዚዳንት ዩንቨርስቲ መቐለ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ዩንቨርስቲን ቤተሰብ ተመረቕቲን ተረኺቦም።

ብተመሳሳሊ ኮሌጅ ጥዕና ሳይነስ ዩንቨርስቲ ሃረማያ ብዝተፈላለዩ ሞያታት ዘሰልጠኖም 239 ዶክተራት ሐክምና ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

ካብ መንጎ እቶም ተመረቕቲ እተን 56 ደቂ ኣኒስቲዮ ኢየን ተባሂሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.