Fana: At a Speed of Life!

ደረጃን ቅልጣፈን ስራሕ ከመሓይሹ ዝኽእሉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ደረጃን ቅልጣፈን ስራሕ ኢትዮጵያውያን ከመሓይሹ ዝኽእሉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም ተገሊፁ።

ብቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝምራሕ ስራሕቲ ምምሕያሽ ስራሕን ቅልጣፈን ዝርከበሉ ብርኪ ዝምልከት ፀብፃብ ቀሪቡ ብሄራዊ ኮሚቴ ተዛቲዩሉ።

ፕሮግራም ቅልጥፍና ስራሕ ስርዓት ንግዲ ንምምሕያሽ፣ ንዕቤት ዘፈር ውልቀ ማሕለኻታት ንምፍታሕን ውፅኢት ሪፎርም ንምልካዕ ዝተሓንፀፀ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ መመሓየሺ ፕሮግራም፥ ትካላት፣ ግልጋሎት ደለይቲ፣ ነጋዶን መልማዕቲን ኣብዘለዉዎ ቦታ ኮይኖም ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንኽህቡን ክረኽቡ ኣብ ምግባርን ትኹረት  ገይሩ ዝሰርሕ ኢዩ።

ኢትዮጵያ መለክዒታት ስራሕን ቅልጣፈን ካብ ውሽጢ ዝኾኑ 10 መለክዒታት ኣብቶም 7 ምምሕያሽ ምግባራ ኣብቲ ፀብፃብ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ መላኩ ኣለበል፥ ዜጋታት ቅልጡፍ ግልጋሎት ንኽረኽቡ፣ ሓደሽቲ ስራሕቲ ንኽፈጥሩን ኢኮኖሚኡ ከዓቢን ኣብ ምግባር ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ ኣለዎ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወፅአ ፀብፃብ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ቅልጥፍና ንግዲ ስራሕ ካብ ሃገራት ዓለም መበል 159 ደረጃ ዝነበረት እንትትከውን፥ ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት እዚ ደረጃ ኣብ ውሽጢ 100 ንምእታው ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ።

ኣብቲ ዘተ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ቤት ዕዮ ሚኒስትራት ዝተውፃእፅኡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተረኺቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.