Fana: At a Speed of Life!

“ደቅና ሰኑይ ኣዕጢቖም ሰሉስ ናብ ወፍሪ ዝመቱ ኢሎምዎም፤ ይኹን እምበር ብሰላም ኢዶም ብመሃቦም መሊስና ክንረኽቦዮም ክኢልና ኣለና” – ወ/ሮ ድንቅነሽ ኣድሓኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ነባሪት ከተማ ዛታ ዝኾና ኣደ ወታደር እንትሪኣ ደቀይ ኢየን ዝብለኦም፡፡

ኣደ ደቂ ተባዕትዮ ስለዝኾና ውፃእ ውረድ ውግእ ናብ መዓንጠአን ኣትዩ የስካሕኸን፡፡

ክንዲ ግምባር ብዕራይ ኣብ ተኣክል ንኡሽተይ ከተማ ኮይነን ናብ ዋና ጎደና ወፂአን ዝሓልፍ ኩሉ እናረኣያ ከንፈረን እናመጠጣ ይዕዘባ፡፡

ሕጊ ንምኽባር ላዕሊን ታሕቲን ዝብል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ምሊሻን ዝብል መለለዪ የሃልዎ እምበር ነዐአን ኩሎም ወታደራት ኢዮም፡፡

ብኣፍልቦም እንትሰሓቡ፣ ወዲቖም እንትትስኡ፣ ጥይት ብርእሶም እንትፋፂ ድሕሪ ሳላሳ ዓማውቲ ዳግም ትማሊ ብምርኣየን ቅስመን ብሓዘን ተሰቢሩ ኢዩ፡፡

እነይ ድንቅነሽ ኣድሓኖም ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ዛታ እንትነብራ፤ ኲናት ብታሪኽ ሰሚዐን ዘይኮነስ ብተግባር ተፈቲነናሉ ስለዘሓለፋ ይፈልጠኦ ኢየን፡፡

ኣብቲ እዋን ኣብ ነባሪት ከተማ ኮሮም ነይረ ይብላ፤ ኣብ ከባቢ 1983 ምዃኑ ኢዩ፡፡

ብዘኣተወሉ በሪ ንምውፃእ ኣብ ጫፍ ዝርከብ ህወሓት “ይፍተራሪ ኢየ” ዝብለሉ፣ “በሰላ ዝወለደና ኢና” ኢሎም ኣትዮም ፍልፍል በሰላ ቀፃሊ ወለዶ ዝኾኑሉ እቲ ሕማቕ ኲናት ርህራሄ እነይ ድንቅነሽ ብሓይሊ ፈቲኒዎ ሓሊፉ ኢዩ፡፡

ሸውዓተ ውቑዓት ኣብ ውሽጢ ገዝአን ኣቐሚጠን ንምድሓኖም ምኽንያተ ኮይነን ኢየን፡፡

“ማይ ነምፀአሉ ሩባ ርሑቕ ስለዝነበረ ለይቲ ተላዒለ ክልተ ዕትሮ ማይ የምፀአሎም ነይረ” ዝብላ እነይ ድንቅነሽ፥ እቲ ሓደ ዕትሮ ማይ ንመሕፀቢ ቆስሎም እቲ ሓደ ዕትሮ ማይ ድማ ንመስተ የውዕልዉ ነይሮም፡፡

ከምሎሚ ጉልበተን እንተይ ደኸመ ስዋ ፀሚቐን ብምሻጥ ውላደን ዘዕበያ እነይ ድንቅነሽ፥ ካብ ደቀን ብተወሳኺ እቲ ሕማቕ እዋን ምሕላፈን ካሊእ ፍልፍል ሓጎሰን ኮይኑ ነይሩ፡፡

ድሕሪ እዚ ንፈጣሪ ዘቕርበኦ ዕለታዊ ፀሎተን “ዳግም ኲናት ከይተሪአኒ!” ዝብል ይኹን እምበር እነሆ ሎሚ እውን ዳግም ኣብ መረበአን ኣትዩ ሪአንኦ፡፡

ኣብቲ እዋን ብምኽንያት እቲ ኲናት ኣቦታቶም ዝሰኣኑ ብዙሓት ቆልዑ ብዘይ ኣቦ ከምዝዓበዩ እነይ ድንቅነሽ ህያው ምስክር ኢየን፤ ናይቲ እዋን ሕማቕ ህይወት ንናይ ሕዚ ህፃናት በፂሑ እንተዘይሪአኦ ከምዝደልያ እንትዛረባ ሓዘነን ዓሚቕ ምዃኑ ኣብ ዓይነን ዝሰረበ ንብዓት የመላኽተልካ፡፡

ሃይሃይታ ቅድመ ምድላው ኲናት ነቲ ከባቢ ራዕዲ ፈጢሩሉ ከምዝነበረ እውን ገሊፀን ኢየን።

“ደቅና ሰኑይ ኣዕጢቖም ሰሉስ ናብ ወፍሪ ዝመቱ ኢሎምዎም፤ ይኹን እምበር ብሰላም ኢዶም ብመሃቦም መሊስና ክንረኽቦዮም ክኢልና ኣለና” ይብላ እነይ ድንቅነሽ ኣድሓኖም፡፡

ዘይተናወሐ እዋን ዝወሰደ ውግእ እቲ ከባቢ ተዛዚሙ ኣየር ሰላም ኣብ ዝረኸባላ ክልተ መዓልቲ ተገዲዶም ዝተዓጠቑ ምሊሻታት እቲ ከባቢ ዕጥቂ ፈቲሖም ብሰላም ምእታዎም ንእሽተይ ዕረፍቲ  ሂቡወን ኢዩ፡፡

ፀሎት እነይ ድንቅነሽ ኣብ ሰፈረን ዝሪአኦም ወታደራት ብሰላም ናብ ከባቢኦም ክኣትዉን ተውልዲ መንደረን ኮረም ናፃ ኮይና ምርኣይን ኢዩ፡፡

ልመና ኣዴታት፣ ፀሎት ወለዲን ጥንካረ ጥምር ጦርን ጭንቀት እነይ ድንቅነሽን ኢትዮጵያውያንን ኣቕሊሉ ሰላም ንሪአሉ እዋን ርሑቕ ኣይኸውንን፡፡

ፍልፍል፦ ኤመሓኣ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.