Fana: At a Speed of Life!

ደበና ናይ ምምዕባል ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ብድርቂ ተጎዲኦም ፅነሑ ከባቢታት ቦረናን ኮንሶን ካብ ማእኸላይ ክሳብ ልዑል መጠን ዘለዎ ዝናብ ረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ደበና ናይ ምምዕባል ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ስሩዕ ዝናብ ብዘይምርካቦም ብድርቂ ተጎዲኦም ፅነሑ ከባቢታት ቦረናን ኮንሶን ካብ ማእኸላይ ክሳብ ልዑል መጠን ዘለዎ ዝናብ ረኺቦም።

ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ጀሚሩ ኣብቶም ከባቢታት ደበና ናይ ምምዕባል ስራሕ ተሳሊጡ።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ካብ ብሔራዊ ኤጀንሲ ሚቲዎሮሎጂ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከመዘመላኸቶ፥ እቲ ደበና ናይ ምምዕባል ስራሕ ስዒቡ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ኮንሶን ከባቢ ደቡብ ወንጮን ከቢድ ዝናብ ተመዝጊቡ።

ኣብ ኮፈሌን ሻኪሶን ድማ ማእኸላይ መጠን ዘለዎ ዝናብ እንትዘንብ፥ ኣብ ከባቢ ቃላይ ላንጋኖን ደቡብ ምዕራብን ኣብ ምዕራብ ያቤሎን ከምኡ እውን ኣብ ደቡብ ጉግዳ ቀሊል ዝናብ ዘኒቡ።

ደበና ናይ ምምዕባል ቴክኖሎጂ፥ ደበና ናብ ዝናብ ካብ ምቕያሩ ብተወሳኺ ዝናብ ኣብ ዘድልየሉ ከባቢ ንኽዘንብ ዘኽእል ኢዩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.