Fana: At a Speed of Life!

ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብክልልነት ንምውዳብ ድምፂ ህዝበ ውሳነ ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብክልልነት ንምውዳብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ድምፂ ህዝበ ውሳነ ይወሃብ ኣሎ።

እቲ ከይዲ ህዝበ ውሳነ ኣብ ዞባ ቤንች ሸኮ፣ ከተማ ዳውሮ፣ ካፋን ካልኦት ከባቢታትን ብዕሊ እናተሳለጠ ይርከብ።

ሪፖርተር ግዜኢ ኣብ ከተማ ቦንጋ ተረኺቡ ከምዝተዓዘቦ፥ ከይዲ ምሃብ ድምፂ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ብዝኾ መልክዑ እናተሳለጠ ይርከብ።

ዞባታት ካፋ፣ ሸካ፣ ቤንች-ሸኮ፣ ዳውሮ፣ ምዕራብ ኦሞን ፍሉይ ወረዳ ኮንታን ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ንምውዳብ ዘካይዱዎ ህዝበ ውሳነ እንትኸውን፥ ልዕሊ 1 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዜጋታት ድምፂ ክህቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.