Fana: At a Speed of Life!

ደቡብ ኮሪያ ንኢትዮጵያ እትገብሮ ሰብኣዊ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዚያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ኮሪያ ንኢትዮጵያ እትገብሮ ሰብኣዊ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ገሊፃ።

ኣብ ቀረባ ዝተሸሙ ኣምባሳደር ደቡብ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ጃንግ ካንግ፥ ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ክልቲኣዊ ርክብ ከምዘለወን ገሊፆም።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ እውን ጠንካራ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ርክብ ህዝቢ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ልኡኽ ባህሊ ደቡብ ኮሪያ ምስ ኢትዮጵያዊያን መሰተኦም ልውውጥ ልምዲ ከምዝገበሩ እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ስራሕቲ ልምዓት ንምድጋፍ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ብምዃን ኣድላዪ ድጋፍ ከምዝግበር ሓቢሮም።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.