Fana: At a Speed of Life!

ዲፕሎማሲያዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ-ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዲፕሎማሲያዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ደቡብ ኮሪያ ፓርክ ጂን ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ጠሚቶም ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ደቡብ ኮሪያ ንኢትዮጵያ ቀዳመይቲ መሓዛ ልምዓት ገይራ ምምራፃ ዘመስግና ከምዝኾነን ነዊሕ ታሪኽ ዘቑፀረ ዲፕሎማያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ኣብሪሆም።

ኣብ ናይ ሎሚ ዘተኦም÷ ሃገራዊ፣ ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ከምኡ እውን ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነት ዝጠመተ ልዝብ ከምዝገበሩ ገሊፆም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ደቡብ ኮሪያ ፓርክ ጂን ብግደኦም÷ ክልቲአን ሃገራት ዝፀንሐ ርክብ ዘለወን ሃገራ ከምዝኾና ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ተመራፂት መባፅሕቲ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ከምዝኾነት ሓቢሮም።

ደቡብ ኮሪያ÷ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ምትሕብባር ልምዓት ንምጥንኻር እናሰርሐት ከምዝኾነት ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.