Fana: At a Speed of Life!

ዳያስፖራ ንህዳሰ ግድብን መኣዲ ንሃገርን ዝውዕል 166 ሚሊየን ብር ደገፍ ከምዝገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዳያስፖራ ሎሚ ዘበን ጥራሕ ንዓብዪ ህዳሰ ግድብን መኣዲ ንሃገርን ዝውዕል 166 ሚሊየን ብር ደገፍ ከምዝገበረ ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ሰላማዊት ዳዊት፥ እቲ ደገፍ ብቦንድ ሽይጣት፣ ውህብቶን እቶት ምትእኽኻብን ኣቢሉ ዝተኣከበ ኢዩ ኢለን።

ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ምስዝነብሩ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ብዝተገበረ ዘተ  ልዕሊ 53 ሺሕ ዶላር ደገፍ ከምዝተገበረን 100 ሺሕ ዶላር ንምሃብ  ቃል ከምዝኣተዉን ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ሚኒሶታን ሰሜን ማዕኸላዊ ክፍሊታት ኣሜሪካን ምስዝነብሩ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ብዝተገበረ ዘተ ልዕሊ 40 ሺሕ ዶላር ድጋፍ ከምዝተረኸረ ተሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ አህመድ ኣቢሉ ኣብ ዝሓሐፈ ዓመት ዕላዊ ንዝተገበረ  መኣዲ ንሀገር ፕሮጀክት እቲ ዳያስፖራ ክሳብ ሐዚ  ኣስታት 30 ሚሊየን ብር ዝግመት ገንዘብ ድጋፍ ከምዝገበረእተን ዋና ዳይሬክተር ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.