Fana: At a Speed of Life!

ዳያስፖራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝገብሮ ተሳትፎ ንኸዕቢ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳያስፖራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተፈጠሩ ዕድላት ክጥቀምን ተሳትፎኡ ከጠናኽርን ከምዝግባእ ተሓቲቱ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ኣብ ስዊዘርላንድ ምስ ዝነብሩ ኣባላት ዳያስፖራ ኣብ ጄኔቭ ብዝገበሩዎ ዘተ÷ ዳያስፖራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተፈጠሩ ዕድላት ምጥቃምን ተሳትፎኦም ከጠናኽሩን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ዘጋጥሙ ጎንፂታት ብሰላም ንምፍታሕ መንግስቲ እናወገኖም ዝርከቡ ስራሕቲ ዝምልከት መብርሂ እውን ሂቦም፡፡

ዝፀንሑፍልፍል  ዘይምርድዳእ  ዝኾኑ ጉዳያት ብምፍላይ ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ብኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር እናተወገኑ ዝርከቡ ተግባራት ምብረሆም እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.