Fana: At a Speed of Life!

ዳይናን ኣሰልጣኒን ኣትሌቲክስ ኣይተ እሸቱ በዩ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳይናን ኣሰልጣኒን ኣትሌቲክስ ኣይተ እሸቱ በዩ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለዩ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣይተ እሸቱ ብምኽንያት ዘሓደሮም ሕማም ኣብ ሆስፒታል የካቲት 12 ሓገዝ ሕክምና እናተገበረሎም ድሕሪ ምፅናሕ ትማሊ ለይቲ 20 ጥሪ 2013 ዓ.ም ህይወቶም ምሕላፉ ተሓቢሩ።

እቶም ኣሰልጣኒን ዳይናን ኣትሌቲክስ፥ ኣብ ምዕባለን ውፀኢታውነትን ኣትሌቲክስ ዕዙዝ ግደ ከምዝነበሮም እቲ ፌዴሬሽን ኣፍሊጡ።

ኣይተ እሸቱ በዩ፥ ኣብ ማሕበር ዳያኑ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፀሓፊ ብምዃን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ኣትሌቲክስ እውን ንነዊሕ ኣመታት ኣብ ስራሕቲ ዳይነት ተዋፊሮም ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ምምእባል ልዑል ብፅሒት ከምዝነበሮም ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.