Fana: At a Speed of Life!

ዳይና ሊዲያ ታፈሰ ኣብ ውድድር ፅዋዕ ዓለም ትሕቲ 17 ዓመት ፃውዒት ቀሪቡላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳይና ሊዲያ ታፈሰ ብኣሰናዳእነት ህንዲ ኣብ ዝካየድ ውድድር ፅዋዕ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 17 ዓመት ንኽተገልግል ብፊፋ ፃውዒት ቀሪቡላ።

ውድድር ፅዋዕ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 17 ዓመት ካብ 1 ክሳብ 20 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ኣብ ህንዲ ክካየድ ኢዩ፡፡

ላዕለዋይ ኣካል እቲ ውድድር ዝኾነ ዓለም ለኸ ኣመሓዳሪ ኩዕሾ እግሪ (ፊፋ) ብዳይነት ዘገልግሉ ዳያኑ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዝመረፀ እውን ዕላዊ ገይሩ፡፡

ዝርዝር 14 ዋና፣ 28 ሓገዝቲን 16 ዳያኑ ቪዲዮን ዕላዊ እንትገብር፥ ካብ ኣፍሪካ ክልተ ናይ ቪዲዮ ዳያኑ ተኻቲተን፡፡

ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያዊት ዳይና ሊዲያ ታፈሰ ካብ ኣፍሪካ ካብ ሞንጎ ዝተመረፃ ናይ ቪዲዮ ዳያኑ ሓንቲ ኮይና ኣላ፡፡

እታ ካልአይቲ ድማ ኢሲዋቲኒያዊት ቪያና ሊቺያ ከምዝኾነት ሶከር ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.