Fana: At a Speed of Life!

ድምፃዊት የዓለምወርቅ ጀንበሩ ኣብ ውድድር ፍፃመ ፋና ላምሮት ቀዳማይቲ ብምዃን ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ድምፃዊት የዓለምወርቅ ጀንበሩ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ዙር ውድድር ፍፃመ ፋና ላምሮት ቀዳማይቲ ብምዃን ተዓዊታ።

ንፍፃመ ምዕራፍ ውድድር ዝሓለፉ ኣርባዕተ ተወዳደርቲ እንትኾኑ፥ ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተገበረ ውድድር ድምፃዊት የዓለምወርቅ ጀንበሩ ቀዳመይቲ ብምዃን 1 ሚሊየን ብር ተሸላሚት ኮይና።

ብተወሳኺ ድምፃዊ ኣሉላ ገ/አምላክ ካልኣይ፣ ድምፃዊ ዳንኤል ኣዱኛ ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዙ ኢዮም።

ራብዓይ ድማ ድምፃዊ ደሳለኝ ኣበበ እንትኸውን፥ ካብ ካልኣይ ክሳብ ራብዓይ ደረጃ ንዝሓዙ ተወዳደርቲ ንሕድሕዶም ብማዕረ 300 ሺሕ ብር ተበርኪቱሎም።

ናይዚ ዓመት ሰለስተ ምዕራፋት ብተዓዋታይነት ዝዛዘሙ 12 ተወዳደርቲን ብፍሉይ ኪጨኩነታት ዝተኻተቱ ክልተ ተነሓናሕቲን ብሓፈሻ 14 ተወዳደርቲ ን10 ሰሙናት አንትነሓንሑ ምፅንሖም ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ኣርባዕተ ተወዳደርቲ ተለልዮም ሎሚ መዓልቲ ደሳለኝ ኣበበ፣ ኣሉላ ገብረኣምላኽ፣ ዳንኤል ኣዱኛን ያለምወርቅ ጀምበሩን ሽልማት 1 ሚሊየን ብር ንምውሳድ ብዘርኣይዎ ብቕዓት ተዳኒዮም።

ስለዝኾነ ብዙሓት ተዓዘብቲን ህቡባት ስነ ጥበበኛታትን ብቐጥታ ፈነወ እናተኸታተልዎ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ድምፃዊት የዓለምወርቅ ጀንበሩ ተዓዋቲት 1 ሚሊየን ብር ኮይና።

ነቶም ድምፃውያን ሽልማት ዝሃቡ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው፥ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከም ፋና ላምሮት ዝበሉ መድረኻት መሀደስቲን መምሃርቲን እንተሰናድእ፥ ዝነብረሉ ማሕበረሰብ ቁሳዊን ተፈጥሮኣዊን ፀጋታት ፅባቐኦም ሓሊዮም ንትውልዲ ንክተሓላለፉ ከምኡውን ናይ ትማሊ መገዲ ዓወት ንሎሚን ፅባሕን ትውልዲ ስንቂ ንክኸውን ዓሊሙ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ብዙሓት ድምፃዊያን ዘፍረየ ናይ ውድድር ፕሮግራም ምዃኑ ብምሕባር፥ ዕላምኡን ሸትኡን ኣብ ትውልዲ ብምስራሕ ነቲ ሙያ ክብሪን ልዕልናን ሓገዝ ንምግባር ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ ብብዙሕ ቀለማት ዘሳትፍ ስራሕቲ ጥበብ ብምሕቛፍ ብዝተፈለየ ኣቀራርባ ንምምፃእ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ገሊፆም።

ፋና ላምሮት ዳያኑ፣ ተጋበዝቲ እቲ መርሃ ግብሪ ኣጋይሽ ብፍላይ ዓማዊል ፋና ነቲ ምድላው ንክዕወት ንዝገበርዎ ኣስተዋፅኦ አመስጊኖም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.