Fana: At a Speed of Life!

ድምፃዊ   በኣምላክ ቢያድግልኝ   ኣብ ውድድር ፍፃመ ፋና ላምሮት ቀዳማይ ብምዃን ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ድምፃዊ በኣምላክ ቢያድግልኝ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ራብዓይ ዙር ውድድር ፍፃመ ፋና ላምሮት ቀዳማይ ብምዃን ተዓዊቱ።

ኣብ ዝሓለፉ 12 ሰሙናት ኣብ መንጎ 16 ተወዳደርቲ ክካየድ ዝቐነየ ውድድር፥ ሎሚ ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ተወዳደርቲ ብዝተኻየደ ናይ ብሉፃት ብሉፅ ውድድር ተዛዚሙ።

ኣብቲ ናይ ሎሚ ውድድር፥ ትዕግስት ኣስማረ፣ ሄኖክ ብርሃኑ፣ በኣምላክ ቢያድግልኝን ሃብታሙ ይሄነውን ፍሉይ ምድላው ገይሮም ቀሪቦም።

ብመሰረት እዚ ንፍፃመ ምዕራፍ ውድድር ካብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ተወዳደርቲ፥ ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተገበረ ውድድር ድምፃዊ በኣምላክ ቢያድግልኝ ቀዳመይ ብምዃን 1 ነጥብ 5 ሚሊየን ብር ተሸላሚ ኮይኑ።

ብተወሳኺ ድምፃዊ ሃብታሙ ይሄነው ካልኣይ፣ ድምፃዊ ሄኖክ ብርሃኑ ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዙ ኢዮም።

ራብዓይ ድማ ድምፃዊት ትዕግስት ኣስማረ እንትኸውን፥ ካብ ካልኣይ ክሳብ ራብዓይ ደረጃ ንዝሓዙ ተወዳደርቲ ንሕድሕዶም ሽልማት ተበርኪቱሎም።

ብመሰረት እዚ ድምፃዊ ሃብታሙ ይሄነው 1 ሚሊየን ብር፣ ሳልሳይ ንዝወፅአ ድምፃዊ ሄኖክ ብርሃኑ 500 ሺሕ እንትወስዱ ራብዓይ ንዝወፅአት ድምፃዊት ትዕግስት ኣስማረ  ድማ 300 ሺሕ ተዋሂቡዎም።

ብዙሓት ተዓዘብቲን ህቡባት ስነ ጥበበኛታትን ብቐጥታ ፈነወ እናተኸታተልዎ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ድምፃዊ በኣምላክ ቢያድግልኝ   ተዓዋቲ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ኮይኑ።

ነቶም ድምፃውያን ሽልማት ዝሃቡ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው፥ ፋና ላምሮት ሃገር ለኸ ብርሃን ሽምዓ ፌስቲቫል ኪነጥበበን ባህልን ኣብ ዝኾነሉ ኣገባብ ጠመተ ብምሃብ ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።

ፋና ላምሮት ብቐጥታ ፈነወ ብሞያዊያንን ህስብን ዝተዳነየ ታሪካዊ ውድድር ሰብ ውህብቶ ናይገዛእ ርእሱ ድሙቕ ኣሰር ብፉሉይ ኣንቢሩኢዩ ኢሎም።

ፋና ላምሮት ዕድል ንዘይረኸቡ ዕድልን ተስፋን ካብ ምፍጣሩ ብተወሳኺ ሓዱሽ ናይ ሙዚቃ ትውልዲ ብምፍላጥን ናብቲ ኢንዱስትሪ ብምእታውን ናይ ባዕሉ ኣሰር ብምንባር ዝዘልቕ መርሃ ግብሪ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ሙዚቃ ስምዒት ደቂ ሰባት ኣብ ምልዕዓልን ንባዕልኻ ናይ ምግላፅ ክእለትን መማዕበሊ ዝኾነ ምግቢ ስነ ልቦና ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ቀፃሊ ካብ መሀደሲ ኢንዱስትሪ ብተወሳኺ ሓበሬታን ፍልጠትን ዘጨብጡ ሓደሽቲ ትሕዝቶታት ሚዲያ ብምስንዳእ ከምዘቕርብ ተዛሪቦም።

ፋና ላምሮት ዳያኑ፣ ተጋበዝቲ እቲ መርሃ ግብሪ ኣጋይሽ ብፍላይ ዓማዊል ፋና ነቲ ምድላው ንክዕወት ንዝገበርዎ ኣስተዋፅኦ አመስጊኖም።

ኣብቲ መድረኽ ፍሉይ ሽልማት ደራሲ ግጥምን ዜማን ፀጋይ ደቦጭ ኣብቲ ዓውዲ ንዝገበርዎ ኣስተዋፅኦ 200 ሺሕ ብር ተሸላሚ ኮይኖም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.