Fana: At a Speed of Life!

ድሮናት ዩክሬን ኣብ ሩሲያ ሰፊሕ መጠን ዘለዎ መጥቃዕቲ ፈፂመን ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ኣልቦ ድሮናት ዩክሬን ሎሚ ኣብ ሽዱሽተ ክልላት ሩሲያ ሰፊሕ መጠን ዘለዎ መጥቃዕቲ ፈፂመን ተባሂሉ።

ዩክሬን ኣብ ምዕራባዊ ከተማ ፕስኮቭ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ሩሲያ ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ኣብ ወታደራዊ መመላልቲ ኣውሮፕላናት ጉድኣት ከምዘብፀሀት ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

ሚኒስቴር ምክልኻል ሩሲያ÷ ዩክሬን ሎሚ ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ድሮን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ንደሓር ዝዓበየ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ኣብ ከባቢ ዋና ከተማ ሩሲያ ሞስኮን ኣብ ክልላት ኦርሎቭን፣ ብራያንስክ፣ ራያዛንን ካሉጋን ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናት ወቒዑ ከምዘውደቐ እውን ኣፍሊጡ፡፡

ሩሲያ ብግደኣ ኣብ ኣዋርሕ ዕድመ ኣዚዩ ከቢድ ዝተብሃለ መጥቃዕቲ ሚሳኤልን ድሮንን ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክሬን ኪየቭ ምፍፃማ ተሓቢሩ፡፡

ከንቲባ ከተማ ኪየቭ ቪታሊ ክሊችኮ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝፀሓፉዎ መልእኽቲ÷ በቲ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ንሕልፈት ከምዝተቓልዑን ሓደ ሰብ ከምዝሰለን ተዛሪቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.