Fana: At a Speed of Life!

ድፍኢት ደም ንምንካይ ዝሕግዙ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 16 ሺሕ ሕማም ድፍኢት ደም ኣብ ዘለዎም ብዝተገበረ ፈተነ ኩሎም ምንቅስቓሳት ብቕዓት ኣካል ድፍኢት ደም ከምዝንክዩ ኣብ መፅሄት ብሪቲሽ ጆርናል ኦፍ ስፖርት ሜዲስን ዝተሓተመ ውፅኢት መፅናዕቲ ኣመልኪቱ፡፡

ኣብ መሬት ብኣፍልቢ ብምህራስ ቅልፅም ኢድ ፊት ንፊት ማእገር ኣብ መሬት ብምድጋፍ ንክልተ ደቒቕ ምፅናሕ (Planks) ካብ ኤሮቢክስ ስፖርት ብዝተፈለየ ኩነታት ድፍኢት ደም ከምዝንኪ ተሓቢሩ፡፡

ከምኡ እውን መንድቕ ብምድጋፍን ካብ መሬት 60 ሴንቲ ሜትር ርሕቐት ብብርኪ ሸብረኽ ብምባል ኢድ ንቕድሚት ብምዝርጋሕ ንክልተ ደቒቕ ምፅናሕ (wall squat) ሕማም ድፍኢት ደም ብፍሉይ ኩነታ ንምንካይ ከምዝሕግዝ እቲ ውፅኢት መፅናዕቲ ኣመልኪቱ፡፡

ከላይ የተጠቀሱት የስፖርት አይነቶች በሚሠሩበት ወቅት  በተለየ የሰውነት ክፍሎች እንዲጨናነቁ በማድረግ ደም በቀላሉ እንዲዘዋወር ስለሚረዱ የደም ግፊትን ይቀንሳሉ ነው የተባለው

ቅድም ክብል ዝተፀርሑ ዓይነታት ስፖርት ኣብ ዝስረሐሉ እዋን÷ ካብ ኤሮቢክስ ስፖርት ብዝተፈለየ መልክዑ ክፍሊታት ሰውነት ክጨናነቑ ብምግባር ብቐሊሉ ደም ክዘዋወር ስለዝሕግዙ ድፍኢትደም ከምዝንክዩ ተገሊፁ፡፡

ልዑል ድፍኢት ደም÷ ኣብ መትኒታት ደም፣ ልቢን ካልኦት ክፍሊ ኣካላትን ብዝፍጠር ፅዕንቶ ምኽንያት ንዝተፈላለዩ ሕማማት ዘቃልዕ ኢዩ፡፡

ድፍኢት ደም ዘለዎም ሰባት÷ ምንቅስቓስ ብቕዓት ኣካል ከዘውትሩ፣ ስርዓት ኣመጋግበኦም ጥዑይ ከመሓይሹ፣ ኣልኮል ከይሰትዩን ሽጋራ ከየትክኹን ይምከር፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.