Fana: At a Speed of Life!

ዶክተር ሊያ ታደሰ ምስ ልኡኻት ቢሮ ጥዕና ቻይና ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ምስ ኣባላት ጉጅለ ልኡኻት ቢሮ ጥዕና ቻይና ግዝኣት ሃናን ተዛቲየን።

እተን ሚኒስትር÷ ሆስፒታል ጥሩነሽ ቤጂንግ ንኽጠናኸር ኣድላዪ ክትትልን ሓገዝን እናተገበረ ምዃኑ ኣብ እዋን ዘተአን ገሊፀን፡፡

ቻይና ዝገበረቶ ሓገዝ ኣገልግሎት እቲ ሆስፒታል ናብ ዝሐሸ ብርኪ ምዕባይ ከምዘኽእል እውን ገሊፀን፡፡

እቲ ሆስፒታል ኣብ ሃንደበታዊን ናይ ሓደጋን ሕክምና ዕዙዝ ኣገልግሎት ምሃብ ንኽኽእልን ብእታወት ንኽጠናኸር መንግስቲ ቻይና ሓገዝ ንኽገብር ሓቲተን፡፡

ክሳብ ሕዚ መንግስቲን ህዝቢን ቻይና ንዝገበሩዎ ሓገዝ እውን ምስጋና ምቕራበን ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.