Fana: At a Speed of Life!

ዶክተር መሳይ ሃይሉ ምስ ተወካሊ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕረተሰብ ኢትዮጵያ ዶክተር መሳይ ሃይሉ ምስ ተወካሊ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ቦውሬማ ሳምቦ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሞንጎ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕረተሰብ ኢትዮጵያን ውድብ ጥዕና ዓለምን ዘሎ ምሕዝነት ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ዛዕባታት ኣልዒሎም፡፡

ዶክተር መሳይ ሃይሉ÷ ውድብ ጥዕና ዓለም ብመዳይ ቴክኒክ፣ ፋይናንስን ብዝተፈላለዩ እታወታት ሕክምናን ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝን ንኢዶም፡፡

ዶክተር ቦውሬይማ ብግደኦም÷ ውድብ ጥዕና ዓለም ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ኩለመዳይ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡

ብፍላይ ስግኣት ማሕበረሰብ ንዝኾኑ ከም ቫይረስ ኮሮና፣ ዓበቕ ህበይን መሰል ሕማማትን ንምክልኻል ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ምሕባሮም ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.