Fana: At a Speed of Life!

ጀርመን ሰለስተ ድሮናት ንሚኒስቴር ሕርሻ ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ሕርሻ ስራሕቲ ምክልኻል ሓደጋን ኣጠቓቕማን ሓለዋን ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ንምዝማን ንዝማን ዝኽግዛ ሰለስተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ካብ መንግስቲ ጀርመን ብሓገዝ ረኺቡ።

ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ስቴፈን ኡር፥ እተን ድሮናት ንሚኒስቴር ሕርሻ ዑመር ሑሴን ኣረኪቦምዎም።

ዋጋ ሓንቲ ድሮን 28 ሺህ ዩሮ እንትኸውን፥ ኣብ ሓደ በረራ ብዘይምቁራፅ 90 ደቒቕ ዘኣክል ናይ ምብራር ዓቕሚ ከምዘለዋ ተገሊፁ።

ብሓደ ግዘ ክሳብ 700 ሄክታር ዝሽፍን ምስሊ መሬት ብምስኣል ሓበሬታ ክሕዛ ከምዝኽእላ እውን ተገሊፁ።

እተን ድሮናት ምስ መሬት ዝተትሓሓዙ ሓበሬታታት ብምእካብ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ክሰርሓ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብፍላይ ተደጋጋሚ ድርቂ እናጋጠመለን ኣብ ዝርከባ ክልላት ዓፋርን እዋናዊ ሓበሬታ ብምልኣኽ መንግስቲ ስራሕቲ ምክልኻል ሓደጋን ካልኦትን መፍትሒታትን ንኽህብ ዓቕሚ ዝፈጥራ ከምዝኾነ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እተን ብሓገዝ ዝተውሃባ ድሮናት፥ መለክዒ ሲቪል ኣቢየሽንን ድሕንነትን ኢትጵያ ዘማልኣ ኢየን ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.