Fana: At a Speed of Life!

ጀርመን ንሆስፒታል ኮምፕርሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ጦር ሃይሎች 1 ሚሊየን ዩሮ ዘውፅእ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኤምባሲጀርመን ንሆስፒታል ኮምፕርሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ጦር ሃይሎች 1 ሚሊየን ዩሮ ዘውፅእ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ገይሩ።

ሓላፊ መምርሒ ቀረብ ኣፋውስ ሕክምናን መሳርሒታትን ብርጋዴር ጄኔራል ይልማ መካንቴ፥ እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ንኣወሃህባ ግልጋሎት እቲ ሆስፒታል ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡

እዚ ድማ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ዘጠንክር ኢዩ ኢሎም፡፡

ሓላፊ ኣማኻሪ ጉጅለ ቴክኒክ ሰራዊት ጀርመን ኮሎኔል ኣንደሬ ስኮፊስ ብግደኦም፥ እቲ ሓገዝ ቀፃሊ ከምዝኾነን ወታሃደራዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘርኢ ከምዝኾነን ምግላፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.