Fana: At a Speed of Life!

ጀርመን ንቻይና ኣጠንቂቓታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መራሒ መንግስቲ ጀርመን ኦላፍ ሹልዝ ቻይና ኣብ ጉዳይ ሩሲያን ዩክሬንን ኢዳ እንተእቲያ ማዕብ ከምዝፅበያ ኣጠንቂቖም።

ሹልዝ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዝገብሩዎ ዑደት ተተሓሒዙ፥ ቻይና ኣብ ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ኢዳ እንተእቲያ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ዓባይ መሓዛ ልምዓታ ዝኾነት ቻይና ማዕቐብ ከምትገብር ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ቻይና ንሩሲያ ሓገዝ ኣፅዋራት ትገብር ኢያ ዝብል ክሲ ካብ ሰብ መዚን መራኸብቲ ሓፋሽን ምዕራባውያን እናቐረበላ ከምዝኾነ ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

ቻይና ብግደኣ÷ “ብኣሜሪካ ዝተቐነባበረን መሰረት ዘይብሉን ውንጀላ” ክትብል ውድቂ ገይራቶ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ቻይና ሊ ኬ ያንግ ÷ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ሉኣላዊነት ሃገራት ኣብ ምኽባር ዝረመስረተ ከምዝኸነ ኣብሪሆም፡፡

ፕሬዚዳንት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ኡርሱላ ቮን ዴር ሌየን ብግደአን÷ ጀርመን ትኹን ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቤጂንግ ዘቕረበኦ ክሲ “ክሳብ ሕዚ ጭቡጥ መረዳእታ የብልናን” ኢለን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.