Fana: At a Speed of Life!

ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ናይ መወዳእታ ልዑል ወታደራዊ ኒሻን ተሸሊሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ፌዴሪኢ ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ ካብ ኢታማዡር ሹም ጅቡቲ ጄኔራል ዘካሪያ ሼህ ኢብራሂም ናይ መወዳእታ ልዑል ወታደራዊ ኒሻን እታ ሃገር ተበርኪቱሎም።

ኣብቲ ስነስርዓት ምልባስ ኒሻን ዝተረኸቡ ሓላፊ ማእኸል ምኽባር ሰላም ሌተናል ጀነራል ደስታ ኣብቼ ንግልጋሎት ዜና ኣገልግሎት ከምዝገለፁዎ፥ ጄነራል ብርሃኑ ካብ መህግስቲ ጅቡቲ ዝተበርከተሎም ኒሻን ብፕሬዚዳንት እታ ሃገር ተፈቒዱ ዝተውሃቦም ናይ መወዳእታ ልዑል ብርኪ ኒሻን ኢዩ።

ጄኔራል ብርሃኑ፥ ብወታደራዊ ኣመራርሓ ክእለቶም ብዘርኣዩዎ ዘደንቕ ብቕዓት ኣመራርሓ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዝነበረ ሓደጋ ንኽቕልበስ ብምግባርን ኣብ ተግባር ምኽባር ሕጊ ሰራዊት ምክልኻል ብዘኹርዕ ጅግንነት ንኽፍፀም ብምምራሕን ኢትዮጵያን ናይቲ ከባቢ ሃገራትን ካብ ዘንፀላለወን ልዑል ሓደጋ ከድሕኑ ስለዝኸኣሉ ከምዝተበርከተሎም ገሊፆም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምልባስ ኒሻን ዝተረኸቡ ኢታማዡር ሹም ጅቡቲ ጄኔራል ዘካሪያ ሼህ ኢብራሂም፥ ብቕዓት መሪሕነት ጄመራል ብርሃኑ ብምድናቕ እቲ ሓደጋ ምክልኻል እንተዘይከኣል ነይሩ፤ ንአትዮጵያ ብምብታን ጥራሕ ዘይኮነስ ንሃገራት እቲ ከባቢ ዝብትን ሓደገኛ ኩነታት ከጋጥም ይኽል ከምዝነበረ ገሊፆም።

ጂቡቲን ኢትዮጵያን ዘለወን ታሪኻዊ ምሕዝነት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እቶም ጄነራል ኣረጋጊፆም።

እቲ ሽልማት ዝተበርከተሎም ጄነራል ብርሃኑ ጁላ፥ ናይ መወዳእታ ልዑል ኒሻን እታ ሃገር ንዘበርከተሎም ህዝቢን መንግስቲን ጂቡቲ ምሽም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ምስጋና ምቕራቦም እቶም ሓላፊ መኽበሪ ሰላም ጄኔራል ደስታ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.