Fana: At a Speed of Life!

ጀኔራል ብርሃኑ ጁላ ምስ ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፌዴሪኢ ጀኔራል ብርሃኑ ጁላ ምስ ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም።

ኣብ ናይ ሓባር ጉዳይ ክልቲአን ሃገራት ዝተዛተዩ እንትኾኑ፥ ርከብ ከልቲአን ሃገራት ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉን ኣብ ዓለም ለኻዊ ምኽባር ሰላም ዝበለፀ ንምንጣፍ ኣበ ዘኽእል ኣገባብ ተላዚቦም።

ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ርክብ ወፃኢ ምክልኻል ሃገር ብርጋዴር ጄኔራል ቡልቲ ታደሰ ከምዝበልዎ፥ ክልቲአን ሃገራት ዝፀንሐ ናይ ሓባር ምትሕብባር ስለዘለወን ብፍላይ ኣብ ምዕቃብ ሰላምን ቴክኖሎጂን ብሓባር ክሰርሓ ኢየን።

ኣብ ምኽባር ሕጊ ከምኡ ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ በዝተፈጠሩ ፀገማት ነዝተመዛበሉ ወገናት ሓገዝ ከምዝገብራ ምዝራበን ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.