Fana: At a Speed of Life!

ጃክ ማ ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ዝሕግዝ ናውቲታት ሕክምና ደገፍ ክገብር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ዋናን መስራቲን ኩባኒያ ኣሊ ባባ ጃክ ማ ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ንዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ ናውቲታት ሕክምና ደገፍ ክገብር ኢዩ።

እቲ ደገፍ 54 ሃገራት ኣፍሪካ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ንዝገብርኡ ፃዕሪ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ጃክ ማ ኣብ ትዊተር ገፁ ፅሒፉ።

ብመሰረት እዚ እተን ሃገራት ንሕድሕደን 20 ሺሕ መመርመርቲ ናውቲታት፣ 100 ሺሕ መሸፈኒ ገፅ(ማስክ)፣ ሰብ ሞያ ሕክምና ዝኽደኑዎም 1 ሺሕ መከላኸልቲ ንዋታት ከምዝወሃበን ድማ ተገሊፁ።

እቲ ደገፍ ብኢትዮጵያ ኣቢሉ ነተን ሃገራት ክበፅሐን ከምዝግበር ተሓቢሩ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.