Fana: At a Speed of Life!

ጃፓናዊ ኩባነያ ማሩያማ ኮሙቴን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ህንፀት ክዋፈር ከምዝደሊ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓውዲ ህንፀት ዝተዋፈረ ጃፓናዊ ኩባነያ ማሩያማ ኮሙቴን ኣብ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ክዋፈር ድሌት ከምዘለዎ ገሊፁ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጃፓን ምስ ኣቦ መንበር እቲ ኩባኒያ ታዪዞ ያማሞቶ ተዛቲዮም፡፡

ኣምባሳደር ካሳ ተክለብርሃን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ምቹዋት ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ዝምልከት ነቶም ኣቦ መንበር ገለፃ ገይሮምሎም፡፡

ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ህንፀት ዝተትሓዘ ትልሚ 10 ዓመት ዝምልከት መብርሂ ሂቦምዎም፡፡

የማሩያማ ኮሙቴን ሊቀ መንበር ታዪዞ ያማሞቶ በበኩላቸው ኩባንያቸው በኢትዮጵያ በዘርፉ የመሰማራት ፍላጎት እንዳለው ገልጸዋል

ኣቦ መንበር እቲ ኩባኒያ ታዪዞ ያማሞቶ ብግደኦም፥ ኩባኒየኦም ኣብ ኢትዮጵያ ክዋፈር ከምዝደሊ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ዓውዲ ብፍላይ ድማ ማሽነሪታት ህንፀት ናብ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ብምቕራብን ኣብ ህንፀት መሰረት ናይ ምውፋር ድሌት ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡

እቲ ኩባኒያ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዎ ልምዲ ንኢትዮጵያውያን ስልጠና ብመሃብ ፍልጠት ቴክኖሎጂ ንምምሕልላፍ ድሉው ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.