Fana: At a Speed of Life!

ጃፓን ንመስፋሕፍሒ ህንፀት ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዳሎታ ዝኸውን ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጃፓን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ገላን ዝርከብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዳሎታ መስፋሕፍሒ ህንፀት ዝኸውን ሓገዝ ገይራ።

ንህንፀት ምስፍሕፋሕ እቲ ቤት ትምህርቲ ስነ-ስርዓት ክታም ስምምዕነት ሓገዝ ተኻይዱ።

እቲ ስምምዕነት ድማ ከንቲባ ከተማ ገላን ኣይተ ኣሕመድ እድሪስን ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትጵያ ኢቶ ታካኮ ተፈራሪሞምዎ፡፡

ጃፓን ንመስፋሕፍሒ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝኸውን 89 ሺሕን 944 ዶላር ለጊሳ ኣላ፡፡

በቲ ዝተገበረ ሓገዝ ኣርባዕተ መምሀሪ ክፍሊታት ዝሓዘ ህንፃ ምስ ዝተማለአ መምሃሪ ክፍሊ፣ ኣቑሑት ከምኡ እውን መናፅሂ ክፍሊ ሓዊሱ ክህነፀሉ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.