Fana: At a Speed of Life!

ጅግና ሲኤን ኤን ፍረወይኒ መብራህቱ መቐለ እንትትኣቱ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ጅግና ሲኤን ኤን ፍረወይኒ መብራህቱ ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቐትሪ መቐለ ክትኣቱ እንተላ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩላ።

ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ምስ ጥምረት ደቂ ኣንስትዮ ብምዃን ንፍረወይኒ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ እንትትበፅሕ ናይ ጅግና ኣቀባብላ ገይረናላ።

ብተወሳኺ ጅግና ሲ ኤን ኤን ዓመተ 2019 ኢንጅነር ፍረወይኒ መብራህቱ ኣብ ምቕባል፥ ተምሃሮ ዝተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣመራርሓ መንግስትን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ከተማ መቐለን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ መቐለ ተቐቢሎምዎ።

ኣብ ሆቴል ፕላኔት “ናይ እንኳዕ ደስ በለኪ” መርሃ ግብሪ ተዳልዩ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ወይዘሮ ፍረወይኒ፥ ተሓፃቢ መቐበሊ ወርሓዊ ፅግያት ብምምሃዝ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዘለወን ተሳትፎ ክዓዝዝን ዓርሰ እምነት ተሰሚዑወን ብነፃነት ንኽመሃራን ብዘርአየቶ ልዑል ፃዕርን ተበግሶን ጅግና ሲኤን ኤን ዓመተ 2019 ብምዃን ከምዝተሸለመት ይዝከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.