Fana: At a Speed of Life!

ጆ ባይደን ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ጥሒሶም ንዝኣተዉ ደገፍቲ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ቁጠዐኦም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምሩፅ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ እቶም ንህንፃ ባይቶ እታ ሃገር ጥሒሶም ዝኣተዉ ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ ቁጠዐኦም ገሊፆም።

ኣብ’ቲ ናዕቢ ሓንቲ ሰበይቲ ብጥይት ከምዝተቐትለት’ውን ተገሊፁ። ፕሬዚዳንት ትራምፕ ነቲ ናዕቢ ከውግዝዎ ድማ ጆ ባይደን ጠሊቦም።

ትራምፕ ነቶም ሰልፈኛታት ፈለማ ናብ ባይቶ ኣሜሪካ (ካፒቶል) ገፆም ክኸዱ ሓቢረምዎም፤ ፀኒሖም ድማ “ንገዛኹም ኪዱ” ክብሉ ከምዝተዛረቡ ተሓቢሩ።

ንዓወት ጆ ባይደን ንምርግጋፅ ክልቲኦም ባይቶታት ኣኼባ ኣብ ዘካየድሉ እዋን እዩ እቶም ናዕበኛታት ናብ ህንፃ ባይቶ ኣሜሪካ ጥሒሶም ዝኣተዉ።

ብምኽንያት እዚ ከዓ እቲ ኣኼባ ተቛሪፁ’ኳ እንተነበረ ፀኒሑ ክጅምር ክኢሉ’ሎ ተባሂሉ።

ምክትል ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስ ነቲ ኣኼባ መሊሱ ከጀምር ከሎ “ኣብ ታሪኽ ባይቶ ኣመሪካ ፀልማት መዓልቲ” ክብል ገሊፁዎ።

እቶም ሰልፈኛታት ምስ ፖሊስ እናተጓነፁ እዮም ናብ ህንፃ ባይቶ ኣሜሪካ በፂሖም። ስእሊ ትራምፕን ናይ ኣመሪካን ባንዴራ እናንበልበሉ ድማ ጥሒሶም ናብ ካፒቶል ኣትዮም።

ንሳቶም፥ እቲ ትራምፕ ዝተስዓርሉ ውፅኢት መረፃ ክቕየር እዮም ዝጠልቡ።

እቶም ናዕበኛታት ነቲ ህንፃ ከዕለቕልቕዎ ኸለዉ ጠያይትን መንብዒ ትኪን ክትኮስ እንከሎ ኣባላት ባይቶ ነብሶም ከድሕኑ ናብ ትሕቲ መንበሮም ክሕብኡ ተራእዮም።

ኣብ’ቲ ዕግርግር ብጥይት ዝተወቕዐት ሓንቲ ሰብ ህይወታ ከምዝሓለፈ ፖሊስ ገሊፁ።

ፍልፍል፥ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.