Fana: At a Speed of Life!

ገበን ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ብምሕሳብ ቦምቢታ ሓኦም ተታሒዞም ኣብ ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ተወሳኺ ምርመራ ንኽግበር 12 መዓልቲ ተፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ሚያዝያ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገበን ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ብምሕሳብ 10 ቦምቢታ ሓኦም ተታሒዞም ኣብ ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ተወሳኺ ምርመራ ንኽግበር ቤት ፍርዲ 12 መዓልቲ ተፈቒዱ።

ሕገ መንግሕነወ ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ብሓይሊ ንምፍራስ ብዘይስሩዕ ኣወዳድባ ተወዲቦም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገበን ግግበረ ራዕዲ ንምፍፃም ብምሕሳብ ካብ ክልል ኣምሓራ 10 ቦምቢታት ብምምፃእ ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ኣብ ዝተኻረዩሉ መንበሪ ገዛ ሓኦም ተታሒዞም ኣብ ዝተብሃኑ ተጠርጠርቲ ኢዩ ተወሳኺ ምርመራ ንኽግበረሎም ቤት ፍርዲ ንፖሊስ 12 መዓልቲ ተፈቒዱ ዘሎ።

ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌደራል ምድብ ኣራዳ መጋባእያ እዋን ቆፀሮ ትማሊ ክትዕ ኣብ ዝተኻየደሎም ክልተ መዝገባት እዋን ቆፀሮ ተመልኪቱ ሎሚ ተወሳኺ ምርመራ ንኽግበረሎም ትእዛዝ ሂቡ።

መርማሪ ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሁከትን ናዕቢን ብምልዓል፣ ገበን ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ብምሕሳብ ኣብ ዝተኻረዩሉ ገዛ 10 ቦምቢታት ሓቢኦም ዝተትሓዙ÷ ሞላልኝ ሲሳይን ኣብርሃም ጌትነት ኣብ ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተውሃበ እዋን ምርመራ ቃል መሰኻኽር ምቕባሉን ከምኡ እውን ምስ ተጠርጠሩሉ ተግባር ገበን ዝተተሓሓዙ ብዙሓት መረዳእታታት ከምዝኣከበን ቃል ተጠርጠርቲ ከምዝተቐበለን ንመጋባእያ ኣብሪሁ ነይሩ።

ኣብ ካልኣይ መዝገብ ድማ ማለት እውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዓመፅ፣ ሁውከትን ናዕቢን ክለዓል ብምግባር ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ንኽበፅሕ ብምግባር ሓደ ህዝቢ ምስ ካሊእ ህዝቢ ምትእምማን ከይህልዎ ንምክፍፋል እናሰርሑ ነይሮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰይፈ ተስፋዬ፣ ማስረሻ እንየው፣ ጌታቸው ወርቄ፣ ኣንደበት ተሻገር፣ ታደሰ ወዳይነው ኣብ ልዕሊ ዝተብሃሉ 5 ተጠርጠርቲ ቅድ ሕዚ ኣብ ዝተውሃበ እዋን ቆፀሮ ዝሰርሖ ስራሕቲ ምርመራ ኣቕሪቡ።

መርማሪ ፖሊስ ኣብ ክልቲኦም መዝገባት ዝተረፉ ስራሕቲ ኣሳሊጡ መፃረዪ ምርመራ ገይሩ ንምቕራብ ተወሳኺ 14 መዓልቲታት ንኅወሃቦ ሓቲቱ ነይሩ።

ኣብ ክልቲኦም መዝገባ ዝተሰየሙ ጠበቓታት ተጠርጠርቲ እውን ተወሳኺ እዋን ቆፀሮ ክፍቀድ የብሉን ኢሎም ብምክታዕ መሰል ዋሕስ ተጠርጠርቲ ንኽፍቀድሓቲቶም።

መርማሪ ፖሊስ ብግድኡ ሕቶ መሰል ዋሕስ ተጠርጠርቲ  ብምቅዋም ተኻቲዑ።

እቲ መዝገብ ምርመራ ዝተመለከተ መጋባእያ እዋን ቆፀሮ÷ ፖሊስ ብዙሓት ስራሕቲ ምርመራ ምስርሑን መረዳእታታት ምእካቡን ከምዝተመልከተ ኣብ ናይ ሎሚ ቆፀሮ ኣብሪሁ።

ፖሊስ ዝተረፉ ስራሕቲ ምርመራ ንምስራሕ ተወሳኺ ግዘ ከምዘድልዮ ስለዝተኣመነ 12 ተወሰኽቲ መዓልቲ ምርመራ ፈቂዱ።

ብታሪክ ኣዱኛ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.