Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤና ነቲ ዝጀመርናዮ ቃልሲ ዘሐይልን እዋናዊ ፀገምና ንምፍታሕ ልዑል ተራ ዘለዎ ውሳነታት ክንውስንን ዓብዪ እምነት ኣለኒ-ዶክተር ደብረፂዮን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ) ህፁፅ ጉባኤ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ኣብ ኣዳራሽ ሓውልቲ ሰማእታት ዝሳለጥ ዘሎ ጉባኤ፥ ካብ ሎሚ ዕለት 25 ክሳብ 26 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ክፀንሕ ኢዩ።

“ጉባኤ ፅንዓትን መኸተን” ብዝብል መሪሕ ቓል ዝካይድ ዘሎ ህፁፅ ጉባኤ፥ ውህደት ኢህወደግ ዝምልከትን ዝተፈላለዩ ሃገራዊን ክልላዊን ዛዕባታትን ብምዝታይ ውሳነታት ዝወሃብሉ ክኸውን ኢዩ።

እዋናዊ ክልላውን ሃገራውን ኩነታት ብምግምጋም ብፍላይ ምስ ምፍራስ ኢህወዴግን ምስረታ ፓርቲ ብልፅግናን ብዝተሓሓዝ ዕምቆት ዘለዎ ገምጋም ብምክያድ ሓደ መርገፂ ክተሓዝ ኢዩ።

ብመሰረት ኣዋጅ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ምዝገባ ፖለቲካዊ ውድባትን ስነምግባርን ከምኡ’ውን ህወሓት ምስ ኢህወዴግ ዝነበሮ ርክብ ብዝምልከት ኣብ መተሓዳደሪ ደንቢ ምምሕያሽ ከምዝግበር እውን ተገሊፁ።

ኣብ ፕሮግራም ህወሓት፣ ምስ ኢህወዴግ ዝነበረ ርክብን ምስዚ እዋን ዝኸዱ ጉዳያትን ምምሕያሽ ንምግባር
ዝብሉ ኣጀንዳታት ተታሒዞም ኣለዉ።

መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ኣቦ ወንበር ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዶክተር.ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፥ ሞት መዓልታዊ ዜና ዝኾነሉ፣ ዜጋታት መዓልታዊ ዝፈናቐሉሉን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብነፃነት ንምንቅስቓስ ዝተፀገሙሉን ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ ኢሎም።

ልዕሊ ኩሉ ግን ልዕነት ሕጊ ዘኽብር ተሳኢኑ ሃገር እትሕመሰሉ፣ መሰል ዓርሰ ውሳነ ተጣሒሱ ኣብ ክልላት ሰፊሕ ኢድ ኣታውነት ዝተኣታተወሉ ዕድል ተፈጢሩ ከምዘሎ ገሊፆም።

ብድምር ሃገር መገዳ ስሒታ ናብ ከቢድ ፀገም ዘምረሐትሉ ባይታ ተፈጢሩ ምህላዉ ኣብቲ ዝገበርዎ መደረ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ድማ ህዝብታት ኢትዮጵያ እዛ ሃገር ኣትያቶ ካብዘሎ ጫፍ ምብትታን ኣብ ምድሓን ክትራባረቡ ይግባእ ኢሎም።

ህልው ኩነታት ብምግምጋም ቀፃሊ ህልውና ህወሓት ዝውሰነሉ ፍሉይን ታሪኻውን ጉባኤ ምዃኑ እውን እቶም ኣቦ መንበር ተዛሪቦም።

“ጉባኤና ነቲ ዝጀመርናዮ ቃልሲ ዘሐይልን እዋናዊ ፀገምና ንምፍታሕ ልዑል ተራ ዘለዎ ውሳነታት ክንውስንን ዓብዪ እምነት ኣለኒ” እውን ኢሎም።

ውድብ ህወሓት ሎሚ ውን ከም ቀድሙ ሕግን ስርዓትን ተኸቲሉ ምስ ፌደራሊስት ሓይልታት ሓቢሩ ንምስራሕ ድልው ምኻኑ እቶም ኣቦ መንበር ኣረጋጊፆም።

እቲ ጉባኤ ኣብ መንጎ መበል 13ን 14ን ስሩዕ ጉባኤ ዝተፀወዐ ህፁፅ ጉባኤ ስለዝኾነ፥ ብመሰረት ሕገ ደንቢ እቲ ውድብ ኣብ መበል 13 ስሩዕ ጉባኤ ህወሓት ዝተሳተፉ ኣባላት እዮም ዝሳተፉ ዘለዉ።

ብተወሳኺ ተወከልቲ ውድባት ሓይልታት ፌደራሊስት፣ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ፣ ሳልሳይ ወያነን ዓፋርን ተዓዲሞም ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፉ ቀዳመ ሰንበት “መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ” ዝብል መሪሕ ቃል ዘለዎ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ንኽልተ ተኸታታሊ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ምስላጡ ይዝከር።

 
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.