Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ሚኒስትራት ማይ ሃገራት ኢጋድ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ሚኒስትራት ማይ ሃገራት ትካል ልምዓት በይነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ሎሚ መዓልቲ ምክያድ ጀሚሩ፡፡

ልኡኻት ሚኒስትራት ማይ ሃገራት ኢጋድ ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ዝኣተዉ እንትኾኑ፥ እቲ ጉባኤ ኣብ ወረዳ ሸበሌ ምክያድ ከምዝጅምር እውን ተገሊፁ።

ንክልተ መዓልቲታት ዝፀንሕ እቲ ጉባኤ ተፋሰስ ሃገራት ሩባ ሸበሌ÷ ኣብ ኣጠቓቕማ ዶብ ተሳጋሪ ማይ ከርሰ ምድር ብምድሃብ ምኽክር ከምዝግበረሉ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ጉባኤ ሚኒስትራት ማይ ሃገራት ጅቡቲ፣ ኬንያ፣ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ሓዊሱ ተወከልቲ ባንኪ ዓለምን ዩኒሴፍን ተረኺቦም፡፡

ብጎህ ንጉሱ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.