Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ካብ ሃገር ወፃእ ቀዳማይ መስራቲ ጉባኤ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ካብ ሃገር ወፃእ ቀዳማይ መስራቲ ጉባኤ ኣብ ኣሜሪካ ኣካይዱ።

እቲ ጉባኤ፥ ኣብ ህንፀት ሰላም፣ ሓድነትን ምክብባርን ዘለዉ ናይ ሓባር ክብሪታት ኣጠናኺርካ ምስራሕ ኣብ ዘኽእል ኩነታት ዘድሃበ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ኣሜሪከ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ እንትኸወን፥ ኣብቲ መድረኽ ዋና ፀሓፊ ትካላት ጉባኤ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ፣ ተወካሊ ትካላት ሃይማኖትን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኣይተ ፍፉም ኣረጋን ተሳቲፎም።

ዋና ፀሐፊ ሊቀ ትጉሃን ታጋይ፥ ካብቲ ጉባኤ ናይ ሓባር ክብሪ ዝኾነ ህንፀት ሰላም፣ ሓድነትን ምክብባርን ዘለዉ ናይ ሓባር ክብሪታት ኣጠናኺርካ ንምስራሕ ሃገራዊን ትካላዊን ጥንካረ ንክፈጥር  እቲ ጉባኤ ምምስራቱ ዕዙዝ ግደ ንክህልዎ ዘኽእል ኢዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.