Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ኣፃራዪ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ካብ ሰብ ሞያ ሚኒስቴር ጥዕናን ቦርድ ምርጫን ዝወሃብ መብርሂ ኣዳሚፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ኣፃራዪ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ብዝምልከት ዘዳለዎ መድረኽ ምሃብ ሓሳብ ሰብ ሞያታት ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ካብ ሰብ ሞያ ሚኒስቴር ጥዕናን ቦርድ ምርጫን ዝወሃብ መብርሂ ኣዳሚፁ ኣሎ።

ኣብቲ ዘተ ኣድላይነት ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ፣ ምክልኻልን ምቁፅፅርን እቲ ቫይረስ እንታይ ከምዝመስልን ካልኦት ምስ ኮቪድ 19 ምዝማድ ዘሎዎም ሕቶታትን ብዝምልከት፥ ኣካቢት ጉባኤ ኣፃራዪ ጉዳያት ሕገ መንግስቲን ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራልን ወይዘሮ መዓዛ ኣሸናፊ ሓዊሱ ካልኦት ተሳተፍቲ ኣቕሪቦም።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ዝሃብኡ መብርሂ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብብርኪ ዓለም ልዕሊ 5 ሚሊየን ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ፣ ኣስታት 329 ሺሕ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ከምኡ እውን ትማሊ ጥራሕ 106 ሺሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተዛሪበን።

እዚ ማለት እቲ ቫይረስ ብናህሪ ይላባዕ ከምዘሎ ዘርእይ ኢዩ እውን ኢለን።

ቫይረስ ኮሮና ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ ሕማም ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ምልክታት ቅድሚ ምርኣዩ ናብ ከሊእ ሰብ ዝኽእል ምዃኑ ነዚ ኣብ ምቁፅፃር ኣፀጋሚ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ነቲ ቫይረስ ዝምክት መድሓኒት ወይ ክትባት ብዘይምህላዉ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ንከይመሓላለፍ ምግባር ብሕታዊ መከላኸሊ መገዲ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

እቲ ቫይረስ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዓሊሙ ኣብያተ ትምህርቲ ምዕፃወን፣ ኣብ ከባቢ ስራሕን መጓዓዚያን ዘጋጥም ምጭንናቕ ምቕናስ፣ ካብ ወፃኢ ዓዲ ዝኣትዉ ሰባን ናብ ፈሊኺ መፅንሒ ክኣትዉ ምግባርን ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ምእዋጅን ሓዊሱ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ እውን ሓቢረን።

ምርመራ ብዝምልከት ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ 26 ላቦራቶሪታት ከምዘለዎን በዚኦም ኣቢሉ 65 ሺሕን 760 ሰባት ቫይረስ ኮረና ከምዝተመርመሩን እውን ዶክተር ሊያ ሓቢረን።

ብምቕፃል ኣካቢት ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወይዘሪት ብርቱካን ሚደቅሳ ኣብ ዘቕረብኡ መብርሂ፥ ቦርድ መረፃ ብመሰረት ዘቐመጦ ጊዜ ሰሌዳ መረፃ ንምክያድ ዘኽአል ኣድላዪ ቅድመ ምድላው እናተገበረ ከምዝፀንሐ ተዛሪበን።

ይኹን እምበር ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ምግጣሙ ስዒቡ ከምዝተሰረዘ ብምግላፅ፥ እቲ ምርጫ ብምኽኒያት ኮሮና ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ለበዳ ንምክልኻል ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ከምዝኾኑ ገሊፀን።

ብፍላይ ኣኼባታት ምኽልካሎምን ኣብ ልዕሊ መጓዓዚያት ዝተነበሩ ገደባትን ከምኣብነት ኣልዒለን።

እቶም ገደባት ኣብ ሓፂር እዋን እንተዝለዓሉ ነይሮም ግን ኣብ ዝተፃበበ እዋን እውን እንተኾነ እቲ ምርጫ ንምክያድ ምድላው ከምዝነበረ ኣብሪሀን።

ኣብ ክሊ እዚ ምስ ፓርቲታት ፖለቲካ ዘተ ከምዝተገበረን ነዚ ዝተቐበሉን ዝተቓወሙን ፓርቲታት ከምዝነበሩን ተዛሪበን።

እቲ ቫይረስ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሕ እንተኾይኑን መርጫ ይካየድ ዝበሃል እንተኾይኑን ክልተ ኣማራፅታት ከምዘለዉ ገሊፀን።

እቶም ኣማራፅታት ምስ ሰብ ሞያ ጥዕና ብምዃን ዝፍፀም ከምዝኮነ ዝገለፃ እተን ኣካቢት፥ ግቡእ ጥንቃቐ ብምግባር እቲ ምርጫ ንምክያድ ክሳብ 13 ኣዋርሕ ከምዝወሰድ ገሊፀን።

እዚ ንምግባር ተወሳኺ ልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ከምዘድሊ ኣፍሊጠን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.