Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ድሕንነት ሳይበርን ዲጂታል ስግግርን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ድሕንነት ሳይበርን ዲጂታል ስግግርን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

እቲ ጉባኤ ድሕንነትን ሉኣላዊንትን ሳይበር ኢትዮጵያ ንምሕላውን ሃገራዊ ስነ ምህዳር ሳይበር ኣብ ምጥንኻርን ብስፍሓት ንምዝታይ ዝተሰናደአ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ንክለተ መዓልቲታት ኣብ ዝካየድ ጉባኤ÷ ኣብ ጉዳይ ድሕንነት ሳይበር ዘጋጥሙ ማሕለኻታት ምክልኻል ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳይት ምኽክር ክግበር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣታወታት ፖሊሲ ንምትላም ዘኽእሉ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ልዝብ ከምዝግበረሎም እውን ተገሊፁ።

እቲ ጉባኤ÷ ማሕበረሰብ ብዛዕባ ድሕንነት ሳይበር ግንዛበ ንኽህልዎ ናይ ምግባር ዕላማ ከምዘለዎ እውን ተሓቢሩ፡፡

ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ትእግስት ሃሚድ ኣብቲ መድረኽ÷ ድሕንነትን ሉኣላዊንትን ሳይበር ኢትዮጵያ ንምሕላው ዲጅታል ስግግር ምትግባር ከምዘድሊ ኣገንዚበን፡፡

ብምንተስኖት ሙሉጌታ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.