Fana: At a Speed of Life!

ጉዕዞ ህይወት ደቂ ሰባት ብዕድልን ብቃልሲን ዝተመልአ ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉዕዞ ህይወት ደቂ ሰባት ብዕድልን ብቃልሲን ዝተመልአ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ገሊፆም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፒያሳ ዝተሃነፀ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ መሪቖም፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ ድማ “እዚ መደነቒ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ካልኦት ሃገራት ፀለምቲ ህዝቢታት ክሰርሑዎ ይኽኣሉ እምበር÷ ደቂ ኣሉላ ኣባ ነጋ፣ ደቂ ምኒልክ፣ ደቂ ባልቻ ፣ ደቂ ገበየሁ፣ ክኾኑ ግን ኣይኽእሉን” ኢሎም፡፡

ዕድል እንተዘይሃሊዩ ቃልሲ በይኑ ዓወት ከምዘየምፅእ ብምሕባር÷ ኢትዮጵያውያን ዝተዓደሉዎ ዓወት ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

“ኩልና ኢትዮጵያውያን ዕድለኛታት ኢና” ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ “ዕድለኛታት ዝገበረና ድማ ኢትዮጵያዊ ምዃንና ኢዩ” ኢሎም፡፡

ብየሻምበል ምህረት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.