Fana: At a Speed of Life!

ጉዕዞ ዝኽሪ መበል 123 ዓመት ዕለተ መስዋእቲ ጀነራል ኣሉላ ኣባነጋ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰብ-ሕድሪ ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ጉዕዞ ዝኽሪ መበል 123 ዓመት ዕለተ መስዋእቲ ጀነራል ኣሉላ ኣባነጋ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩዎ።

እቲ ጉዕዞ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ሎሚ መዓልቲ ድማ ተጓዓዝቲ ካብ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ራብዓይ ተላዒሎም ኣለዉ።

ቤተ-መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ ጀሚሩ ዓድዋ እንዳባገሪማ ዝዛዘም ጉዕዞ ዝኽሪ መስዋእቲ ጅግና ራእሲ ኣሉላ፥ ኣብ ምብጋስ እቲ ጉዕዞ መምህር ገብረኺዳን ደስታ፣ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማሪያምን ካልኦት ፍሉጣት ሰባትን ተረኺቦም።

እቲ ጉዕዞ ኣብ ዝተፈላለዩ ጨንፈራት ዘለዉ ኣባላት እቲ ማሕበር ብምውዳድ ዝካየድ እንትኸውን፥ ኣብ ዓዲ ነብርኢድ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ መስዋእቲ ጅግና ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ እውን ከምዝሳለጥ ሰብ ሕድሪ ሓቢሩ።

ሰብ-ሕድሪ ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ከምዝሓበሮ፥ ቀፂሉ ጉዕዙኡ ናብ ደደቢት ብምግባር ዕለት 11 ለካቲት ኣብ መቐለ ክኣቱ እዩ።

ኣባላት ሰብ ሕድሪ ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ዝኽሪ መበል 122 ዓመት ዕለተ መስዋእቲ ጀነራል ኣሉላ ኣባነጋ ምኽኒያት ብምግባር ኣብ 2011 ዓ.ም ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ ፬ መበገሲ ብምግባር ናብ እንዳ ኣባገሪማ ዓድዋ ብእግሪ ጉዕዞ ከምዝገበሩ ይዝከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.