Fana: At a Speed of Life!

ጉድኣት ዝበፅሖም ከባብታት ሰሜን ሸዋን ደቡብ ወሎን መሊስካ ብምጥያሽ ዝተባብዑ ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ ተባሂሉ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ርክባት ወፃኢን ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሰላምን  ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህውሓት ጉድኣት ዝበፅሖም ከባብታት ሰሜን ሸዋን ደቡብ ወሎን መሊስካ ብምጥያሽ ኣተባባዕቲ ስራሕቲ እናተሰርሐ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብኣምባሳደር ዶክተር የሺመብራት መርሻ ዝተመርሐ ጉጅለ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብቲ ከባቢ ዑደት ኣካይዱ።

እቶም ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ÷ ኣብ ከተማታት ሸዋሮቢት፣ ኣጣዬ፣ ከሚሴን ኮምቦልቻን ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዝተዓዘቡን ኣብተን ከተማታት ምስ ዘለዉ ኣመራርሓታት ድማ ከምዝተዛተዩን ተገሊፁ።

ኣብ ሸዋሮቢት ጉድኣት ንዝበፅሖም ነበርቲ ካብ መንግስታውን መንግስታዊ ካብ ዘይኮኑ ትካላት ናይ መግቢን መሰረታዊ ናውትታት ድጋፍ እናተገበረ እንተኾነእኳ፤ ተጎደእቲ ብዘላቕነት ንምጥያሽ ግና ፃዕሪ ሰብግደ ከምዝሓትት  ምኽትል ከንቲባ እታ ከተማ ጌታሁን ስዩም ንኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ ኣረዲኦም።

ዘላቒ ሰላም ከተማ ኣጣዬ ከረጋግፅ ዘኽእል ሪፎርም ኣመራርሓ ምግባሩ ምስ ኣጎራበቲ ወረዳታት ተደጋጊፈን እናሰርሓ ምዃነን እውን ምኽትል ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ወንደሰን ተገኝ ገሊፆም።

ኣብ ከባቢ ከሚሴ ሰላም ናብ ቀደሙ እናተመለሰ ከምዝኾነ ምስ ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ ዝዘተዩ ዓበይቲ ዓዲ ብምግላፅ÷ ብጉጅለ ግብረ ራዕድን ሸኔን ዝዓነዉ ትካላት ጥዕና ከተማ ከሚሴ ንጎረባብቲ ከባብታት እውን ግልጋሎት እናሃባ ዝፀንሓ ስለዝኾና፤ ፍሉይ ጠመተ ከምዘድልየን ኣመራርሓ እታ ከተማ ሓቲቶም።

መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ከተማ ኮምቦልቻ ብመዳይ መሊስካ ምጥያሽ  ርብርብ እናገበሩ እዮም ዝበሉ ድማ ምክትል ከንቲባ እታ ከተማ ኢንጂነር ኣህመድ የሱፍ እዮም።

በቢከባቢኡ ዝርከቡ ነበርቲ ባዕልንባዕሎም ብምትሕግጋዝ ስራሕ መሊስካ ምጥያሽ ከሳልጡ ከምዝግባእ መራሒ እቲ ጉጅለ ቀዋሚ ኮሚቴ ዶክተር የሺመብራት ንሕድሕድ ኣመራርሓታት እተን ከባብታት ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ኣገንዚበን።

በቢከባቢኡ ዝተጀመረ ሪፎርም ኣመራርሓ ኣብ መፅናዕቲ ተመስሪቱ ንክቕፅል ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ ብምትሕስሳብ፤ ጉድኣት ዝበፅሖም ንምሕጋዝ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ ከምዝሰርሑ ምግላፆም ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.