Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ልኡኽ ኩባኒያ ኑክቴክ ቻይና ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኩባኒያ ኑክቴክ ቻይና ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

እቲ ልኡኽ ኣብ ዙርያ መቆፃፀሪ ጣቢያ ጉምሩኽ ክትከሉ ዝግበኦም ማሽናት ስራሕ ንምጅማር ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምፅኡ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ፥ ጣቢያታት ፍተሻ ጉምሩኽ ብዘመናዊ መሳርሒታት ምትካእ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዝርዝር ስራሕቲ ብምድሃብ ምስ ኣመራርሓታት ሚኒስቴር እቶትን ኮሚሽን ጉምሩኽን ከምዝተዛተየ እውን ተገሊፁ።

ሚኒስትር እቶት ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ናይ ሓባር ዝርዝር ትልሚ ብቕልጡፍ ተዛዚሙ ናብ ተግባር ክእቶ ከምዝግባእ ኣብቲ እዋን ዘተ ኣተሓሳሲበን።

ጉጅለ ልኡኽ ኩባኒያ ኑክቴክ ቻይና ናብ ኢትዮጵያ ክመፅእ ዝኸኣለ፥ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሞንጎ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኢትዮጵያን ኮሚሽን ጉምሩኽ ቻይናን ብመሰረት ዝተገበረ ስምምዕነት ምዃኑ ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፥ ብሚኒስትር እቶት ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ዑደት ስራሕ ምግባሩ ይዝከር።

እብቲ እዋን ዑደት ድማ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ሚኒስትር ምምሕዳር ጉምሩኽ ቻይና ተዛትየን ኢየን።

ኣብቲ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ንምቁፅፃር ዘይሕጋዊ ስርዓት ንግዲ፣ ዝውውር መዐወኒ ሓሺሽ ከምኡ እውን ስርዓት ጉምሩኽ ንምዝማንን ሓበሬታታት ጉምሩኽ ንምልውዋጥ ሓደ ጉጅለ ኮሚቴ ቴክኒክ ክጣየሽ ተገይሩ ምንባሩ ተገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ኮሚቴ ቴክኒክ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ግልጋሎት ቴክኖሎጂ ንግልጋሎት ጉምሩኽ ኢትዮጵያ ዝህብ እንትኸውን፥ ንሰራሕተኛታት ግልጋሎት ጉምሩኽ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ከምዝህብ እውን ኣብቲ እዋን ተገሊፁ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፅአ ጉጅለ ልኡኽ እውን ብመሰረት ዝተገበረ ስምምዕነት ኣብ መቆፃፀሪታት ጉምሩኽ ክትከሉ ዝግበኦም ማሽናት ስራሕ ንምጅማር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.