Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ሕክምና ቻይና ኣብ ኢንዱስትሪ ዞባ ምብራቕ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ናፃ ግልጋሎት ምርመራን ሕክምናን ይህቡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ሕክምና ቻይና ኣብ ኢንዱስትሪ ዞባ ምብራቕ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ናፃ ግልጋሎት ምርመራን ሕክምናን እናሃቡ ይርከቡ፡፡

“ጥዕና ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ንሕሉ ኢና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተውሃበ ዝርከብ ናፃ ሕክምና÷ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ቻይናን ኢትዮጵያን ዘሎ ሕውነት ንምጥንኻር ዝዓለመ እዩ፡፡

ኣብቲ ናፃ ምርመራን ሕክምናን 30 ቻይናውያን ዶካትር ኣብቲ ዞባ ኢንዱስትሪ ንዝሰርሑ ልዕሊ 350 ሰራሕተኛታት ዝመርመሩ እንትኾኑ÷ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 200 ኢትዮጵያውያንን 150 ቻይናውያንን ሰራሕተኛታት እዮም፡፡

እቲ ግልጋሎት ሕክምና÷ ውሽጣዊ ሕክምና፣ ፈሻዊ ሕክምና ቆርበት፣ ሕክምና ስኒ፣ ሕክምና ጥንስን ማሕፀንን፣ ሕክምና ቆርበት ነርቭ፣  ሕክምና ዓፅሚ፣ ሕክምና ዓይኒን ካልኦትን ዘካተተ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ናፃ ግልጋሎት ሕክምና÷ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር እናተሰርሑ ካብ ዝርከቡ ስራሕቲ ሓደ ምኻኑ ተመልኪቱ፡፡

ብሳሙኤል ወርቃየሁ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.