Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ብዓለም ለኸ ገበን ምጥፋእ ዘርኢ ክሕተት ይግባእ-ትዴፓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት አብ ትግራይ ብዝፍፅሞ ዘሎ ሰብኣዊን ቁሳውን ኪሳራ ብዓለም ለኸ ገበን ምጥፋእ ዘርኢ ክሕተት ይግባእ ክብል ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ፓርቲ ኣይተ ሙሉብርሃን ሃይሌ፤ ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ መሕብኢ ብምጥቃም ልዑል ዋጋ የኽፍል ኣሎ ኢሎም።
እቲ ጉጅለ ንዝቢ እቃለስ ኢየ እንተበለ እውን ሰብኣዊ ደገፍ ንከይበፅሕ ብምግባር ከምኡውን ህፃናትን ዓበይቲን ናብ ኩይናት ብምሳዋር ፀረ ህዝቢ ከምዝኾነ ብተግባር ኣርእዩ ኢዩ ኢሎም።

ስለ ዝኾነ ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት አብ ትግራይ ብዝፍፅሞ ዘሎ ሰብኣዊን ቁሳውን ኪሳራ ብዓለም ለኸ ገበን ምጥፋእ ዘርኢ ክሕተት ይግባእ ክብሉ ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.