Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ሰብ ሃፍቲ ሱዳን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ንሓደ ሰሙን ዝፀንሕ ዑደት ንምክያድ ትማሊ ኣማሽዩ መቐለ ኣትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጉጅለ ሰብ ሃፍቲ ሱዳን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ንሓደ ሰሙን ዝፀንሕ ዑደት ንምክያድ ትማሊ ኣማሽዩ መቐለ ኣትዩ።

እቲ ብምክትል ፕሬዚዳንት ዴሞክራስያዊ ፓርቲ ሕብረት ሱዳንን በዓል ሃፍቲ ኣሸይድና መሓመድ ዑስማንን ዝምራሕ 12 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ሰብ ሃፍቲ ሱዳን፥ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ኢንቨስትመንትን ክልተኣዊ ርክብ ኣድሂቡ ዑደት ከምዘሳልጥ ተገሊፁ።

ኣብ ፃንሒቱ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕድል ኢንቨስትመንት ብምዕዛብ፥ ኣብ ክልተኣዊ ርክብ ህዝቢ ትግራይን ሱዳንን ኣድሂቡ ምስ ዝምልከቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ትግራይ ዘተ ከምዝካየድ ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት መተሓባባሪ ምሕዝነት ትግራይ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምንው ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ሓደ ሰሙን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተዘዋዊሮም ዘለዉ ፀጋታት ክዕዘቡ እዮም ኢሎም።

ብፍላይ ነቲ ጉጅለ መሪሑ ዝመፀ ምክትል ፕሬዚዳንት ዴሞክራስያዊ ፓርቲ ሕብረት ሱዳንን በዓል ሃፍቲን ኣሸይድና መሓመድ ዑስማን፥ ኣብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕን ገዚፍ ኢንቨስትመንት ዝወነነ እዩ ተባሂሉ።

እቲ ጉጅለ ሰብ ሃፍቲ ሱዳን ምስ ምክትል ርእስ ምምሕዳር ትግራይን ካልኦት ላዕልዎት ኣመራርሓን ተራኺቡ ብምዝታይ ዑደቱ ከም ዝዛዝም ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምንው ገሊፆም።

ፍልፍል፦Tigrai Mass Media Agency
እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.