Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ንኽይምለስ ተደምሲሱ ኢዩ – ሚኒስትር ምክልኻል ዶ/ር ቀነኣ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ንኽይምለስ ተደምሲሱ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ምክልኻል ዶክተር ቀነኣ ያደታ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር፥ ብጉጅለ ህወሓት ልኡኽቶ ተዋሂቡዎም ኣብ እዋን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኢዶም ሂቦም ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ እዚ ደቡብ ስልጠና ተሃድሶ እናወሰዱ ምስ ዝርከቡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊን ምሊሻታትን ተዛቲዮም።

ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ እቲ ጉጅለ ነዓኻትኩም ናብ ሓዊ ኣእቲዩ ተደምሲሱ ኢዩ ኢሎም፡፡

“ህወሓት ንውልቀ ረብሕኡን ፅምኢ ስልጣኑን ክብል ኣብ ኢትዮጵያ እኩይ ተግባራት ፈፂሙ ንዘይምለስ ተወጊዱ ኢዩ” እውን ኢሎም፡፡

ንስኻትኩም ግን ብናይ ሓሶት ወረ እንተይተረበሽኩም ስልጠናኹም ብምዝዛም ናብ ሰላማዊ ህይወትኩም ክትምለሱ ኣለኩም ኣሎምዎም ነቶም ሰልጠንቲ፡፡

ዋና መምርሒ ሓላፊ ሕብረት ስልጠና ሌተናል ጄነራል ሓሰን ኢብራሂም ብግደኦም፥ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ምስቲ ጁንታ ዝተሰለፉ ዜጋታት ናብ ሰላማዊ ህይወቶም ንምምላስ ልዑል ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

ኢዶም ዝሃቡ ኣባላት ብግደኦም፥ ናይ ግድን ኮይኑዎም ይሰለፉ እምበር እንተይተኮሱ ኢዶም ካብ ዝህቡሉ እዋን ጀሚሩ ሰራዊት ምክልኻል እናገበረሎም ንዝርከብ ክንክን ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

በቀጣይ ለሃገራቸው ሰላም በጋራ እንደሚቆሙ ማረጋገጣቸውን ከመከላከያ ሰራዊት ያገኘነው መረጃ ያመለክታል፡፡

ኦዶም ሂቦም ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ እዚ ደቡብ ስልጠና ተሃድሶ እናወሰዱ ዝርከቡ 740 ዜጋታት፥ እቶም ሚኒስትር ምክልኻልን ሌተናል ጀነራል ሃሰን ኢብራሂምን ሓዊሱ ካልኦት ጄነራል መኮንናትን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣይተ ነቢዩ ስሑል ተረኺቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.