Fana: At a Speed of Life!

ጊኒ ለበዳ ቫይረስ ኢቦላ ከምዝተረኣየ ዕላዊ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጊኒ ብለበዳ ቫይረስ ኢቦላ ህይወት ሰለስተ ሰባት ምሕላፉ ስኢቡ ብብርኪ ለባ ከምዝተረኣየ ዕላዊ ገይራ።

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ጊኒ ካብ ዝተረኣየ ለበዳ ኢቦላ ንሕልፈት ካብ ዝተቃልዑ ሰባት ብተወሳኺ ኣርባዕተ ሰባት ድማ እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦም ተሓቢሩ።

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕክፋል እታ ሃገር ኣብ ትርከብ ጎዋኬ ኣብ ሓደ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝተሳተፉ 7 ሰባት ምልክት ተምላስ፣ ምድማይን ተቕማጥን ከምዘጋጠሞም ተገሊፁ።

እቶም ለበዳ ቫይረስ ኢቦላ ዝተረኸቦም ሰባት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ከምዝርከቡ ሚኒስቴር ጥና ጊኒ ኣፍሊጡ።

እቶም ሚኒስትር ጥዕና ሬሜይ ላማህ፥ ሰበ ስልጣን ጊኒ ብኢቦላ ዘጋጠመ ሞት ኣዚዩ ከምዘተሓሳሰቦም ምዝራቦም ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

ንፈለማ እዋን ተራኢዩ ኣብ ጊኒ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2013 ክሳብ 2016 ዝፀንሐ ለበዳ ቫይረስ ኢቦላ፥ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ ህይወት 11 ሺሕን 300 ቀጢፉ ኢዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ጊኒ ዳግም ተራኢዩ ዘሎ ለበዳ ኢቦላ ከምዘተሓሳሰቦ ምግላፁ ይፍለጥ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.